ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ጂ-7 1 ቢልዮን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንዓለም ከምዝልግሳ ሓቢረ


መራሕቲ ሸውዓተ ዝሃብተማ ሃገራት (ጂ 7) ዋጋ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክታበት ጸረ ቫይረስ ኮሮና፣ ናብ ድኻን ማእከላይ አታዊ ዘለወን ሃገራት ንምልኣኽ ሎሚ ዓርቢ ተሰማሚዖም።

ኣሜሪካ 500 ሚልዮን ክታበት፣ ብሪጣንያ 100 ሚልዮን ክታበት ከምዝልግሳ ገሊጸን ኣለዋ።

ብመሰረት ማእከል ሕክምና ጆን ሆፕኪንስ ኣብ ኣሜሪካ፣ ዝርግሓ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብደረጃ ዓለም፣ ዝሓመሙ 175 ሚልዮን ከምዝኾኑ፣ ብደረጃ ሃገራት ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ ዝሓመሙ 33.4 ሚልዮን፣ ኣብ ህንዲ በዝሒ ዝሓመሙ 29 ሚልዮን ብምሓዝ ቀዳማይን ካልኣይን ኮይነን ኣለዋ ይብል።

XS
SM
MD
LG