ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣስመራ ኣትዩ


ብቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ኣስመራ ምእታው ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ታ ከተማ ምስ ፕረዚደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክዘዋወሩ ከምዝተራእዩ እውን ተሓቢሩ’ሎ።

ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምዕባይ ኹሉ መዳያዊ ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ንክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ሚንስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሸደን ሓላፊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገለ ካብቶም ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ዝኸዱ ሰበ ስልጣን ምኳኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG