ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ: ብሰንኪ ግጭት ዕጡቓት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብቲ ተዓቑቦምሉ ዝነበረ መዓስከር ምግዓዞም ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዞም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

እቶም ስደተኛታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት’ታ ሃገር ብዝተኻየደ ግጭት ሓለውቶም ገዲፎሞም ካብቲ ቦታ ምስዋሮም በቲ ግጭት ድማ 27 ሰባት ምሟቶም ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣብቲ ቦታ ዝንቀሳቀሱ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ሓቢሮም።

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያን ምዃኖም ካብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ዝመሓደር መዕቆቢ ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ቦታ ከምዝተወስዱ ተሓቢሩ’ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መገልጺ እቲ ትካል ምስ ካልኦት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብምትሕግጋዝ ነቶም ስደተኛታት ካብ ኤን ዚን ከምዘግዓዙ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብቲ ግጭት 27 ሰባት ምሟቶምን 91 ምቁሳሎም መብዛሕትኦም ዝተጎድኡ ድማ ሰላማዊያን ሰባት ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚንስትር ፋይዝ ኣል ስራጅ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ትሪፖሊ ግጭት ምቅጻሉን ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብ መንበሪኦም ተቀርቂሮም ከምዘለው ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG