ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ግጭት ካብ መነባብሮም ተመዛቢሎም ኣብ ቢሾፍቱ ካብ ዝተጣየሱ 9 መንእሰያት ምእሳሮም ተሓቢሩ


ኣብ ተዳወብቲ ክልላት ኦሮሚያን ሶማልያን ብሰንኪ ዘጋጠመ ግጭት ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይጣየሱ ካብ መንጎ ዝነበሩ መናእሰይ ትሽዓተ ከምዝተኣሰሩ ዝበፅሐናይ ዜና ገሊፁ።

ሓደ ሽሕ መራሕቲ ስድራ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ።ካብዚኦም ብተወሳኺ ኣስታት 500 ዝተመዛበሉ መናእሰይ ሓፀርቲ ስልጠናታት ተዋሂቡዎም ኣብታ ከተማን ኣብ ከባቢኡን ኣብ ዝርከባ ፋብሪካታት ክሰርሑ ተመዲቦም ኣለው።

ካብቶም ተፈናቐልቲ መንእሰያት ሓደ ፈይሳ ቱፋ፡ እቶም መናእሰይ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኪራይ ገዛ ክወሃቦም ብሰበስልጣን መንግስቲ ናይቲ ክልል ዝተውሃቦም ቃል ከይተፈፀመ ብምትራፉ ንፀገማት ንቃላዕ ኣለና ይብሉ።እዚኦምን ካልኦት ፀገማትን ናብ ቤት ፅሕፈት ናይቲ ምምምሕዳር ንምጥራዕ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ካልኦት ሰራሕተኛታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ የካይዱ ከምዝነበሩን ንጥርዓን ዝኸዱ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዕዮን ተመዛበልቲ መናእሰይ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ከንቲባ ተኣሲሮም፡ ሎሚ’ውን ኣይተፈትሑን ይብል ።

ንሱ ብተወሳኺ በተንቲ ኣድማ ፖሊሳት ነቶም ተሰለፍቲ እናቐጥቐጡ ክብትኑዎም ከለው ናይቲ ሰልፊ ተሳተፍቲ መሲሎምዎም እቶም ፖሊሳት ነቶም መናእሰይ ኣስሮምዎም ኢሉ።ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ነቲ ማእሰርቲ ኣየረጋገፀን፤ኣፃሪየን ምላሽ ከምዝህባ ግን ወሃቢት ቃል ናይቲ ምምሕዳር ወ/ሮ ድርቤ ግርማ ገሊፀን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG