ዋሽንግተን —
ብሰንኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕሱም ደርቂን ንሓሙሻይ ወቕቲ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት እኹል ዝናብን ልዕሊ 755-ሽሕ ሶማላውያን ካብ መንበሪታቶም ከም ዝተመዛበሉ ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ምስቶም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ዘለዉ ዜጋታት ተደሚሩ ብዝሒ ተመዛበልቲ ናብ ኣስታት ሓደ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ኣስታት 40 ዓመታት ዝኸፍአ ደርቂ ምዃኑ ዝተሓበረ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ኬንያን ኢትዮጵያን’ውን ጸልዩ ምህላዉ እቲ ዜና ይውስኽ።
ኣብቲ ዞባ ብቐረባ ዝነጥፍ ዘሎ ኖርወጃዊ ትካል ስደተኛታት ከም ዘመልክቶ፡ ሓያሎ ስድራቤታት ዝዀነ ዝብላዕ ከም ዘይብሎምን ካብቲ ንምልእቲ ሃገር ዘንጸላሉ ዘሎ ዓጸቦ ንምንጋፍ እግሮም ናብ ዝመርሖም ይሃድሙ ከም ዘለዉን የመልክት። ቍጽሪ በቲ ደርቂ ዝጥቅዑ ዜጋታት ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ ሚልዮን ምውሳኹ’ውን ነቲ ትካል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዓለማዊ ሕርሻ (FAO) ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ዘሎ ጸገማት ዘቃልል መጠን ሓገዝ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ንለገስቲ ኣበርክቶ ክገብሩ ጸዊዑ። ኣብቲ ሃገር ዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣጸጋሚ ምግባሩ’ውን እቲ ዜና ይውስኽ።