ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ደርቂ ናብ መዓስከር ዝኣትው ዘለው ሶማላዊያን ቆርበት እንሰሳ ክምገቡ ምግዳዶም ይሕበር ኣሎ


ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ፡ ሰባት ናብ ዓጸቦ ገጾም ይጽግዑ ከም ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ሶማል ይሕብሩ`ለዉ።

ናብ መዕቆቢ መዓስከራት ዝኣትዉ ዘለዉ ሓደስቲ ጽጉማት፡ ህይወቶም ንምድሓን ቆርበት እንስሳ ክበልዑ ከም ዝተገደዱ`ውን ይገልጹ።

ባይደዋ ዋና-ከተማ ግዝኣት ደቡባዊ ምዕራብ`ያ፡ ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ ደርቂ ካብ ዝተጠቕዓ ከባብታት ሓንቲ`ያ። ጥሪቶም ዝሰኣኑ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ደልዮም በብመዓልቱ ናብ መዓስከራት ይኣትው። ኣብ ኣፍደገ ባይደዋ ዝርከብ ሱማድል ዝተባህለ ሓዲሽ መዓስከር፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓደሽቲ መጻእቲ ይቕበል። መብዛሕቲኦም ካብቲ ኤይል ዝተባህሉ ማሕበረሰብ`ዮም።

ብሰንኪ ሰለስተ ተኸታታሊ ወቕትታት ዝናብ ዘይምህራሙ ጥሪቶምን ሕርሽኦምን ምስ ሰኣኑ ገሊኦም ልዕሊ 150 ኪ.ሜ ተጓዒዞም ዝመጹ`ዮም።

ሊሾ ማድ ኪር ማደይ ትብሃል፡ ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ፡ ነብሰ-ጾር`ያ። ንሳ ካብ ሃዋል፡ባርባር ተበጊሳ ድሕሪ ኣጸጋሚ ጉዕዞ ኣብቲ መዓስከር ክትበጽሕ ከምዝኸኣለት ትገልጽ።

ማደይ ምስ ክልተ ደቃ ንክልተ መዓልትን ለይትን ከም ዝትጓዓዘት፡ ኣብ ጉዕዞኣ ድማ ገለ ሰባት ከምዝሓገዝዋ ትገልጽ። ንሳ ብሰንኪ ደርቂ 20 ኣጣልን 20 ኣግማልን ከምዝሰኣነት ድሕሪኡ ንደቃ ክተድሕን ናብቲ መዓስከር ጉዕዞ ከምዝጀመረት ንድምጺ ኣመሪካ ትገልጽ።

ሃቢቦ ኢብራሂም ድማ ኣማሓዳሪት`ቲ መዓስከር`ያ "እቲ መዓስከር ልዕሊ 300 ሓደሽቲ ሰባት ተቐቢሉ`ሎ። ዝበልዕዎ የብሎምን፡ ዛጊት ሰብኣዊ ረድኤት ስለዘይረኸቡ ድማ ቆርበት እንስሳ ክበልዑ ጀሚሮም ኣለዉ" ትብል።

ካብቲ መዓስከር 21/2 ኪ.ሜ ሪሒቑ ድማ ካልእ ናይ ረድኤት መዓስከር`ሎ። መርሲ ኮርፕስ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ጉጅለ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብኡ ንዘለዉ ተሓገዝቲ ማይን ገንዘብን ይህቦም፡ ግን እኹል ኣይኮነን።

ካብ ባኩል ዝተባህለ ዞባ ዝመጸ ወዲ 73 ዓመት ሙኽታር ሓጂ ኣቡካር፡ ብሰንኪ ደርቂ ኩሉ ዝነበሮ ከምዝሰኣነ ይገልጽ።

"ቅድሚ`ቲ ደርቂ 80 ከብቲ ኔረናኒ። ሕጂ ተሪፉኒ ዘሎ ግን እዛ ቆርበት ጥራሕ`ያ። ካብ ትማሊ ጀሚርና ምስ ስድራቤተይ መግቢ ዝብሃል ኣይሰራሕናን። ናብዚ ንክንመጽእ ድማ ኣርባዕተ መዓልትን ኣርባዕተ ለይትን ወሲዱልና ፡ ኣብ ምሉእ ዕድመይ ከምዚ ዓይነት ሕሱም ደርቂ ርእየ ኣይፈልጥን" ይብል።

ሓላፊት`ቲ መርሲ ኮርፕስ ዝኾነት ድዮን ምኪና፡ ኣብ ሶማል ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ክትሓስቦ ዘይትኽእል`ዩ ትብል።

“ኣብ ጉዕዝአን ክልተ ሕጻናት ደቀን ዝቐበራ ኣዴታት ረኺበ`ለኹ። እቲ ጉዕዞ ከቢድ`ዩ።ንሕና ኣብዚ ገለ ገንዘብ ንህቦም ኣለና ገለ መግቢ ክገዝእሉ። ከምኡ ንመከላኸሊ ሕማም ዝኸውን ገለ መጸራረዪ ንህቦም ኣለና" ትብል።

ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ሶማልያውያን ተፈናቒሎም ኣለዉ ይብል።

ልዕሊ 7.7 ሚልየን ማለት ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ሶማል፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ደርቂ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ይደሊ`ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዩኒሴፍ ድማ፡ ብሰንኪ ምስ ደርቂ ዝተኣሳሰር ጉድለት ምግብና፡ ድሮ ኣስታት 500 ቆልዑት ሞይቶም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG