ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ደርቂ ብዙሓት ናብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ይስደዱ ምህላዎም ተሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማል ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ዝሓሰመ ደርቂ ፡ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ መግቢ ክኾኑን ህይወቶም ንምድሓን ናብ ከተማታት ክውሕዙን ጌርዎም ኣሎ።

ብዙሓት ሶማልያውያን ናብ ከባቢ ሞቓዲሾ ድሕሪ ምፍንቓሎም፡ ጥዕናዊ ውሕስነቱ ኣብ ዘይተረጋገጸ ስፍራታት ተጨቓጪቖም ይርኣዩ።

እቶም ሶማልያውያን ተፈናቐልቲ ተዓቑቦምሉ ካብ ዘለዉ መደበራት ሓደ ናጃህ ካምፕ ይብሃል። ካብ ሕሱም ደርቂ ሃዲሞም ዝመጹ ዝርከብሉ`ዩ። ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ማሑቦ ኣዳም፡ 90 ኪ.ሜ ርሒቑ ካብ ዝርከብ ታሕታዋይ ሸበሌ ምስ ደቃ ዝመጸት`ያ፡፡

ማሑቦ ነቶም ኣርባዕተ ደቃ ገለ መግቢ ክተብስል እናፈተነት "ንኽልተ ወቕቲ ዝናብ ዝብሃል ኣይነበረናን። ደርቂ ንማልናን ሕርሻናን ኣዕኒዩዎ`ዩ። ስለዚ ክንወጽእ ኔሩና። ካብ ኣውደግለ ናብዚ ናብ ዳኒለ ንኽንመጽእ ሓደ ምሉእ መዓልቲ ወሲዱልና" ትብል ።

እንተኾነ ኣብቲ ካምፕ`ውን እቲ ኩነታት ከቢድ`ዩ። ወዲ 56 ዓመት ኑር ሓሰን ዓሊን ስድራቤቱን፡ ናይ ገጠር ዓዶም ገዲፎም ብደርቂ ዝተፈናቐሉ`ዮም። ኣብቲ ካምፕ መጽለሊ ቦታ ኣብ ዘናድየሉ እዋን ብጣዕሚ ድኻም ዘለዎም ይመስሉ።

"ደርቂ ካብ ቤት ንብረትና ኣፈናቒሉና፡ ንክልተ እዋን ማይ ብዘይምርካብና ድማ ተጎዲእና ኢና። ከብትና ክሞታ ጀሚረን። ድሕሪኡ ደቀይ ሒዘ ናብዚ ክሃድም ተገዲደ። ኣብዚ`ውን ምንም የብለይን። ደቀይ ጠምዮም ንበልዖ ግን የብልናን" ይብል።

ነቲ ካምፕ ዝቆጻጸር ፈይሳ ዖመር ኣብ ቀረባ ዝኣተዉ 370 ስድራቤታት ዛጊት ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ትካላት ረድኤት ዝረኸብዎ ሓገዝ የለን ከምኡ መጽለሊ`ኳ ኣይረኸቡን ይብል።

ዋሕዚ ተፈናቐልቲ ደርቂ ንስርዓት ጥዕና ሞቓዲሾ`ውን ተደራቢ ሸኸም ኮይኑ ይርከብ። ሆስፒታላት ምስ ናህሪ ኮቪድ 19 ኣብ ዝቃለስሉ ዘለዉ እዋን፡ ሕማቕ ኩነታት ናብራ ድማ ካልእ ምንጪ ሻቕሎት ኮይኑ`ሎ ።

ዳይሬክተር ማርቲኖ ሆስፒታል ዓብዲረዛቕ ዮሱፍ፡“ እዚ ናይ ተፈናቐልቲ ጸገም ዝመጽእ ዘሎ ምስ ሸኸም ናህሪ ኮቪድ ኣብ ዝተጸመድናሉ እዋን`ዩ። ስለዚ እዚ ደርቂ ነቲ ዘሎ ሕማምን ሞትን ኮቪድ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምዝርግሑ`ውን ሳዕቤን ኮይኑ`ሎ።"

መንግስቲ ሶማልን ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን ፡ግዳያት ደርቂ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮም ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ሞቓዲሾ ተጨቓጪቖምን ንሕማቕ ጽርየት ተቓሊዖምን ዝርከቡ ኣሸሓት ተፈናቐልቲ`ውን ጠመተ ክግበረሎም ከምዝግባእ ሰበ-ስልጣን ይጽውዑ`ለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ብሰንኪ ደርቂ ብዙሓት ናብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ይስደዱ ምህላዎም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00


XS
SM
MD
LG