ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ውሽጣዊ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዳርፎራውያን ይመዛበሉ


ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ዳርፉር - ፋይል
ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ዳርፉር - ፋይል

ኣብ ዳርፉር ሱዳን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ጎንጺ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ኣስታት 10 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም።

ካብ 2018 ኣትሒዛ ኣብ ቍጠባዊ ዝሕታለን ምንቍልቋልን እትርከብ ሱዳን፡ ብገምጋም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2022 ኣስታት 6.2 ሚልዮን ካብ ህዝባ ተጸባዪ ረዲኤት ክኸውን’ዩ።

ሓላፊት ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ሱዳን ፖውላ ኢመርሰን ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበረቶ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ዳርፎር ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ንሓያሎ ዜጋታት ካብ መነባብርኦም ኣማዚብሉ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ኦቻ ሱዳን፡ ብ17 ሕዳር ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ሰበኽ-ሳግምን ነበርቲ ብዝተኻየደ ጎንጺ 50 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 10ሽሕ ዝበጽሑ ድማ ተመዛቢሎም። በቲ ግጭት 771 ገዛውቲ ክቃጸል እንከሎ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ተሰዲዶም።

በበይኖም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ንህጹጽ ሓገዝ ከባጽሑ ይፍትኑ ደኣ ይሃልዉ እምበር፡ መጠን ቀረባትን ዝድለ ሓገዝን ኣመና ጋግ ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ፡፡

XS
SM
MD
LG