ዋሽንግተን —
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ወራር ስዒቡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ ማዕቐባት ከም ኣራንሺ ለሚንን ናርገን ዝበሉ ፍረታት ዘፍርዩ ሓረስቶት ደቡብ ኣፍሪቃ ፍርያቶም ናብ ዕዳጋታት ሩስያ ክሰዱ ብዘይምኽኣሎም ከቢድ ፀገም ፈጢርሎም’ሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ እዞም ብፍረታት ሲትሩስ ዝፍለጡ ፍርያት ኮይና ብብዝሒ ናብ ወፂኢ ትሰድድ ሃገር’ያ። ሕጂ ግን ሓረስቶታ ንፍርያቶም ዕዳጋ ንምርካብ ጸገም ኾይንዎም’ሎ።