ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መዓቖቢ ዝርከቡ ተወላዶ ኣምሓራ ኣብ ጸገም ከምዝርከቡ ይገልጹ


ብሰንኪ ኵናት ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ጥቓ ከተማ ጎንደር ኣዘዞ ቀበሮ ሜዳ ኣብ ዝተባህለ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝርከቡ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ኣስታት 3,000 ዝኾኑ ተመዛበልቲ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ካብ ዝሰርሕሎም መፅለሊ ወፃኢ ሓገዝ ይገብረሎም ዘሎ ኣካል ከምዘየለ ብምሕባር ንህዝቢ ከተማ ጎንደር ኣመስጊኖም ኣለው።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ክልል ኣምሓራ ዘላለም ልጃለም ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ ብኵናት ዝተመዛበሉ 1.4 ሚሊዮን ሰባት ከምዘለው ብምግላፅ እኹል ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘየለው፤ምኽኒያቱ ድማ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ብዝድለ መጠንን ስሉጡንን ረድኤት ምቕራብ ስለዘይክኣሉ እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG