ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተስፋ ይገብሩ


ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕሪ ስምምዕሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱተስፋ ይገብሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:48 0:00

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕሪ ስምምዕሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱተስፋ ይገብሩ

ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ነቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተስፋ ኣለዎም። እንተኾነ ግን ንደሕንነቶም ሎሚ እውን ስግኣት ኣለዎም።

ገለ ካብቶም ኣብ ክልል ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቊቦም ዝርከቡ ልዕሊ 70,000 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍፃሙ ኣብ ቀረባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ተስፋ ክገብሩ ከለዉ ገለ ድማ እቲ ስምምዕ ሰላም ማዕረ ክንደይ ፀኒዑ ክቅፅል ይኸውን ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም።

((ጥዐኅጥ))

፮፩ ዓመት ዝዕድሚኦም ትግራዋይ ተስፋይ ገብረ ማሪያም ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሕድሕድ ብዓልቲ እንደኦም ድሕሪ ምቅ፟ታለን ንኽልተ ደቂ ደቆም ሒዙም ሱዳን ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዑም ራኹባ ኣትዮም ስጋብ ሎሚ ኣብኡ ይርከቡ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራል ኢትዮጵያን ሰብ ስልጣን ትግራይን ዝተፈፀመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ቀረባ ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ተስፈኦም ኣዕብዩዎ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG