ኣዲስ ኣበባ —
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ደባይ ተዋጋእቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈትሉን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራ ምግሃሳት ፈጺሞምሉ ተባሂሎም ኣብ ዝተኸሰስሉን ክልል ኦሮምያ ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ሸኔ ብምባል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ግን ንሰላማውያን ሰባት ከምዘየጥቅዕ ንድምጺ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ካብ ክልል ኣምሓራ ተበጊሶም መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ ፋኖ ብምባል ዝጽውዑ ዕጡቃት ግን ምላሾም ምርካብ አይተኻእለን።
ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ነቶም ካብቲ ጎንጺ ሃዲሞም በብመዓልቱ ዝመጹ ንምዝርራብ ነቲ ኣብ ደብረ ብርሃን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ በጺሑ'ሎ።