ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዘጋጠመ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ምስዳዶም ተሓቢሩ


ብሰንኪ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ’ዚ ቀረባ ሰሙናት ዝተወለዐ ግጭት ማሕበረሰባት፣ ብዓሰርተታት አሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ንክስደዱ ከምዘገደደ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ስእነት ሰላም ኣብ ዞባ መተከል ክልል ቤንሻንጉል፣ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተራእዩ ኣሎ። እንተኾነ፣ ውጥረት ምሒር ዝናሃረ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ።

ሪፖርት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ፣ ኣስታት 500 ሰባት ኣብ መተከል ተቀቲሎም። 23 ታሕሳስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቀትሉ ይሕበር።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባባር በሎች እቲ ይንህር ዘሎ ህውከት፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣሻሓት ሰባት ናብ ሱዳን ንክሰግሩ ከምዘገደዶም ጠቂሱ፣"ስደተኛታት ካብ ሕዳር ጀሚሩ እዮም ናብ ሱዳን ብኣማኢት ምእታው ጀሚሮም። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ቁሩብ ሰሙናት ግና፣ በዝሒ ስደተኛታት ወሲኹ ሎሚ ክሳብ 7 ሽሕ ዝግመቱ ስደተኛታት ኣለው። ስደተኛታት ሒዞሞ ዝመጹ ሪፖርት ‘ካብ ጸላእቲና ኢና ሃዲምና’ ዝብል እዩ"ይብሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መተከል ዝተወለዐ ህውከት ኣብ ዞባ መተከል ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣብ 21 ጥሪ ተግቢሩ እዩ።

ባሎች ኣብ መግለጺኡ መብዛሕትኦም እቶም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ስደተኛታት፣ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ሰፊሮም ከምዝርከቡ’ውን ሓቢሩ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳንንመሻርክቲ ኣካላትን ተሓባቢሩ ነቲ ኩነታት ይግምግም፣ ነቶም ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተሰደዱ ሰባት፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኽብሉ መንገዲ የናዲ ከምዘሎን ሓቢሩ።

"እቲ ስፍራ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እዩ ዝርከብ። ከምዝርደአኒ፣ እዚ ጸገም’ዚ፣ ምስ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረን ልዕሊ 61 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ንክስደዱ ዝገበረን ግጭት ዝተኣሳሰር ኣይኮነን።"

ባሎች ኣብ ዘረብኡ፣ ካብ’ቶም ሓተቲ ዕቁባ መብዛሕተኦም ምስ ዘዕቆብዎም ሱዳናዊያን ሓቢሮም ይነብሩ ከምዘለው’ውን ሓቢሩ ኣሎ። ዛጊድ፣ ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት ተመዝጊቦም ኣለው። አስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ድማ ዕለታዊ መግቢ፣ ማይን ቀረባት መጸራረዪን ኣገልግሎት ጥዕናን ረድኤትን’ውን ከምዝረኽቡ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG