ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ቫይረስኮሮና 128 ሚልየን ቆልዑት ካብ ትምህርቶም በኹሮም ክብል ሓደ ጸብጻብ ሕ/ሃገራት ኣፍሊጡ


ተማሃሮ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
ተማሃሮ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ብሰንኪ ቫይረስኮሮና 128 ሚልየን ቆልዑት ካብ ትምህርቶም በኹሮም ክብል ሓደ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ግሎባላዊ ፈንድ ሕቡራት ሃገራት ዘበገሶ፡ 'ትምህርቲ ክጽበየካ ኣይክእልን`ዩ' ዝብል ተበግሶ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ 30 ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርኣየለን ሃገራት ንዝተቐርቀሩ 4.5 ሚልየን ቆልዑት ትምህርቲ ከምዝረኽቡ ከምዝገበረ ይገልጽ።

ሕጂ ድማ ብሳላ 228 ሚልየን ዶላር ልግሲ መንግስቲ ጀርመን፡ ተወሰኽቲ 2.5 ቆልዑን መንእሰያትን ክሕግዝ ከምዝኸኣለ እቲ ማዕከን ኣፍሊጡ`ሎ።

ዕላምኡ ድማ ነቶም ኣብ ዕጥቃዊ ግጭት ዝተቐርቀሩ፡ ተገዲዶም ዝተፈናቐሉ ከምኡ ምስ ክሊማ ብዝተሓሓዝ ዝተጎድኡን ካልኦትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG