ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ተአሲሮም ካብ ዝነበረ ተጠርጠርቲ 62 ክሶም ተቋሪጹ


ትእዛዝ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ስዒቡ ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ክሲ ተመስሪትዎም ካብ ዝነበረ ተጠርጠርቲ ዶ/ር ፍቅሩ ማሩ ሓዊሱ 62 እሱራት ክሶም ተቋሪጹ።

እዞም እሱራት መዓስ ከምዝፍትሑ ኣይተፈልጠን። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ቦረና ከተማ ሞያሌ ዘሎ ኩነታት ንጥፈታት እታ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ነበርቲ ኣብ ፍርሃትን ስግኣትን ከምዘለው ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ’ቶም ብባርዕ ሓዊ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ክሲ ዝተመስረቶም ውልቀሰባት ብይን ኣሕሊፉ።

መብዛሕት ኦም ካብ 2008 ዓ.ም ቅድሚኡን ዓቃቢ ሕጊ ብገበን ግብረ ሽበራ ክሲ መስሪትሎም ዝነበረ ተጠርጠርቲ ክሶም ንክቋረጽ ዝተገብረ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ንጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ብዝሃብዎ ትእዛዝ ምኻኑ ተገሊጹ’ሎ።

ካብ መንጎ’ቶም ክሶም ዝተቋረጸሉ ሓደ በዓልቲ ቤት ዶ/ር ፍቅሩ ማሩ ወ/ሮ መሰረት መንግስቱ ካብ ሽወደን ብስልኪ ስምዒተን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጸን ኣለዋ።

“ከምዝተፈትሑንቆጽሮ ቃልሲ ነዊሕ ጊዜ’ዩ ኣብዚ ምብጽሑ ከምዝተፈትሑ ኢና ንቆጽሮቴሌቭዥን ዝበሎ ስለዝኾነ በዚ እንተወሰድናዮ ይሓይሽ ኢላ።”

ኣብ ትሕቲ ፋይል ሓለቃ ሚኢቲ ማስረሻ ሰጠ ካብ መንጎ ዝተኸሱ 38 ተጠርጠርቲ ነቶም 30 ጠበቓ ዝኾኑ አቶ ወንድሙ ኢብሳ ካብ ፋና ራድዮ ብሮድካስቲንግ ካብ ስድራኦምን ከምዝሰማዕናዮ ብዘይካ’ቶም ኣርባዕተ ብነጻ ክፍትሑ ተገይሩ’ሎ።

ብካልእ ዜና ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ቦረና ከተማ ሞያሌ ኮማንድ ፖስትን አካላት ጸጥታ’ቲ ከባቢ ምስፋሮም ነበርቲ’ቲ ከተማ ንድሕነቶም ከምዝስግኡ ተዛሪቦም ።

XS
SM
MD
LG