ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ምብልሻው ሞተር ዝወደቐት ነፋሪት ሩስያ 13 ሰባት ሞይቶም


ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ
ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ

ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ሩስያ ብሰንኪ ዘጋጠማ ጸገም ሞተር ወዲቃ ከምዝተሓምሸሸትን 13 ሰባት ከምዝሞቱን ተገሊጹ።

ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ካብ ዝተቓጸለ ሓደ ትሸዓተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ንምውጻእ ካብ ዝፈተኑ ሰባት፣ እቶም ሰለስተ ከምዝሞቱን 19 ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝኣተውን እቲ ዜና ጠቂሱ'ሎ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣብ ስልጠና ዝነበረት 'ሱ 3'4 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ሩስያ፣ ሞተራ ድሕሪ ምብልሻው ከምዝወደቐት ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG