ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ መንነቶም ካብ ቤንሻንጉል ዝተመዛበሉ ተወላዶ ኣምሓራ ስግኣት ድሕነት ከምዝስምዖም ገሊጾም


ብሰንኪ መንነቶም ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈናቀሉ ተወላዶ ኣምሓራ ሎሚ’ውን ንከቢድ ስግኣት ድሕነት ተቃሊዖም ከምዝርከቡ ገሊጾም። ኣብ’ቲ ክልል ዝቆመ ኮማንድ ፖስት፣ ምርግጋእ ከምጽእ ከምዘይካኣለ'ውን ሓቢሮም።

ዕጡቃት ጉጅለታት ብተረኦም ነቶም ናብ ክልል ኣምሓራ ክንመልስ ኢና ዝብሉ ሰባት፣ ንሓደ ሰብ 3 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሓንቲ ማኪና ድማ 17 ሽሕ ቅርሺ የኽፍሎም ከምዘሎ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ግብረ መልሲ ዝሃቡ አተሓባባሪ ኮማንድ ፖስት’ቲ ክልል ሌተናል ጀነራል አስራት ዴነሮ "እቲ ኮማንድ ፖስት፣ ነቲ ከባቢ ንምርግጋእ ዝትግብሮም ዘሎ ክልተ ኣገባባት ንከፍርዩ ጊዜ የድልይ እ"’ ከምዝበሉ ዝረኸብናዮ ሪፖርት ገሊጹ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG