ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 200 ተወላዶ ኣምሓራ ካብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከምዝዘናበሉ ተገሊጹ


ብሰንኪ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ካብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ በብመዓልቱ ልዕሊ 200 ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ተመዛበልቲ ከምዝቕበሉ ናይ ኣምሓራ ክልል ኮሚሽነር ፕሮግራም ምክልኻል ሓደጋን ምትሕብባር ውሕስነት መግብን ዘላለም ልጃለም ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ዘላለም ልጃለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብዚ ሕጂ ስዓት ኣስታት 5,000 ተመዛበልቲ ከምዘለው ብምሕባር መንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 350,000 ኲንታል መግቢ የቕርብ ከምዘሎ ገሊጾም።እዚ ልዕሊ ዓቕሚ መንግስቲ ስለዝኾነ ወልቀሰባትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ሓገዝ ክገብሩ እቶም ኮሚሽነር ፀዊዖም ኣለው።።

ፌደራል መንግስቲ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ኣካላት ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ኩነታት ከመዓራርይ እቶም ኮሚሽነር ሓቲቶም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG