ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብን ዕጽዋን ህይወት ሰብ ይጠፍእ'ሎ ክብሉ ሓካይም ዓይደር ሆስፒታል መቐለ ሓቢሮም


ዓይደር ሆስፒታል መቐለ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብሰንኪ መንግስቲ ንኣዋርሕ ዝገበሮ ዕጽዋ ዘስዓቦ ሕጽረት ቀረባት ስራሕና ምፍራም ወረቀት ምስክር ሞት ኾይኑ'ሎ ክብሉ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዝርከቡ ዶክተራት ገሊጾም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ኣብቲ ሆስፒታል ብደብዳብ ነፋርት ተሃሪሙ ዝመጸ ቆልዓ ዶክተራት ብመትኒ ዝወሃብ መድሃኒት ስለ ዝተወድኦም እቲ ቆልዓ ብፍሰት ደም ክመዉት ከሎ ሓደ ህጻን ኸኣ ብሰንኪ ስእነት ፈሳሲ ዳይሊ ስስ ሞይቱ'ሎ።

እቶም ሓኻይም ኣብቲ ንዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ትማሊ ሰሉስ ዘቕረብዎን ናብ ሮይተርስ'ውን ዝለኣኽዎን ሰነድ ቀዳማይ ስራሕና ወረቀት ምስክር ሞት ምፍራም ኾይኑ'ሎ ኢሎም። እቲ ዝለኣኽዎ ሰነድ ዝርዝር ሕጽረት ቀረብ ዘለዎም መድሃኒታትን ቀረባትን ከምኡ'ዉን ስእልታት ዝቆሰሉን ጉድለት አመጋግባ ዘለዎምን ቆልዑ ዝሓወሰ'ዩ።

እቶም ሓካይም ብሰንኪ ሕጽረት አድለይቲ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን አጋጢሙ ዝበልዎ ሞትን ከም ከም ረኽሲ: ምቁራጽ ኣካላትን ሕማም ኩሊትን ዝበሉ ሕልኽላኻት ጠቂሶም ኣለው።ይኹን ደአ እምበር ዳርጋ መብዛሕትኦም መዓስ ከምዘጋጠሙ ዕለት አይጠቀሱን።

ወሃቢ ቃል መንግስት ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሱ ቱሉ ዝተገብረ ዕጽዋ የለን ንዝብል መርገጺ መንግስቲ ብሰኑይ ደጊሞሞ ለዉ። ብሓካይም ሆስፒታል ዓይደር ዝቀረበ ሕጽረታት ዝምልከት ካብ ሮይተርስ ዝቀረበሎም ሕቶታት ኣይመለሱን። ኣቶ ለገሰ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን ንዘጋጥም ዘሎ ሓላፍነት ህወሓት'ዩ ኢሎም'ለዉ። ህወሓት ንኽልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝወረረሉ ካብ ብርክት ዝበላ ሆስፒታላትን 100 ማእኸላት ጥዕናን ናውቲን መድሃኒታትን ዘሪፎም'ዮም ክብል'ውን ኸሲሶም። ብዛዕባ'ዚ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕናን ወሃቢ ቃል ህወሓትን ምላሽ ንምርካብ ፈቲኑ ከምዘይረኸብ ዝሓበረ ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ግን ህወሓት ነቲ ትካላት ጥዕና ዘሪፉ ዝብል ክሲ ነጺጉ'ዩ። ንመንግስቲ'ዉን ብሕጽረት ሰብኣዊ ቀረባት ኸሲሱ'ዩ ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG