ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ኣብ ቤት ፍርዲ ባህርዳር ምቕራቦም ጠበቓኦም ሓቢሩ


ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ
ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ

ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝነቐፉን ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝወዓሉን ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ንሕገ መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ ፈቲኖም ብዝብል ገበን ተኸሲሶም ሎሚ ኣብ ባህር ዳር ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ጠበቕኦም ሸጋው ኣልበል ገሊፆም።

ጀነራል ተፈራ ክሳብ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብዘይተፈልጠ ምኽኒያት ካብ ሓላፍነቶም ዝባረሩ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ንዝዋግኡ ወታሃደራት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ነይሮም።

ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቐይዲ ድሕሪ ምውዓሎም ብሄልኮፕተር ናብ ባህር ዳር ከምዝተወሰዱ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ መነን ሃይለ ንሮይተርስ ሓቢራ።

ነቐፍቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንተቓወምቲ ይኣስሩ ኣለው ይብሉ።

ብኻልእ ዜና ዋና ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ምምሕዳሮም ብሽም ፋኖ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ገበናት ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ የውዕል ከምዘሎ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG