ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብርክት ዝበላ ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካ መባእታዊ ምርጫ ኣካይደን


ኣብ ብርክት ዝበላ ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ መባእታዊ ወይ ናይ መፃረይ ምርጫ ተኻይዱ።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ንኣመሓዳሪነት ኣብ መንጎ ናይ ሪፓብሊካን ሰልፊ ወኪላት ካሪን ተይለርን ካሪ ሌክን ዝተኻየደ ንሕንሕ ካብ ዝተቖጽረ ሰለስተ ርብዒት ድምጺ ማዕረ ድምጺ ረኺበን ኣለዋ።

ተዓዋቲት ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣንፃር ዲሞክራት ካቲ ሆብስ ክተገጥም እያ።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካንሳስ መሰል ምንፃል ጥንሲ ዝሕልው ሕጊ ክለዓል ንዝቐረበ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ኣድመፅቲ ነፂጎምዎ ኣለው።ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ዝፀንሐ ሕገመንግስታዊ መሰለ ምንፃል ጥንሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ካብ ዝስዕሮ መረፅቲ ምስ ምንፃል ጥንሲ ብዝተኣሳሰረ ድምፆም ክህቡ እዚ ንመጀመሪያ ግዜ እዩ።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚቺጋን እውን ሪፓብሊካን ቱዶር ዲክሰን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣንፃር ዴሞክራት ኣመሓዳሪት ግረቸን ዋይትመር ንምግጣም ብሰልፈን ተረቑሓን ኣለዋ።

ኣብ ሚዞሪ ድማ ንዴሞክራቲክ ፓርቲ ብምውካል ኣባል ኮንግረስ ኮሪ ቡሽ ኣብ ሕዳር ክወዳደራ ተዓዊተን ኣለዋ።ናይ ሚዞሪ ዓቃቢት ሕጊ ትሩዲ ቡሽ ቫለንታይን ኣብ ናይ ሪፓብሊካን ሕፀ ብምዕዋት ምስ ኮሪ ቡሽ ኣብ ሕዳር ንሴኔት ክገጥማ እየን።

XS
SM
MD
LG