ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብርክት ዝበለ ሃገራት ኔቶ ወታሃደራትን ኣጽዋርን ናብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ይልእኻ


ወታሃደራዊት ነፋሪት ኔዘርላንድስ ኣብ ዶብ ሊቲዋኛ
ወታሃደራዊት ነፋሪት ኔዘርላንድስ ኣብ ዶብ ሊቲዋኛ

ምስ ሩስያ ውጥረት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኔቶ፡ ወተሃደራትን ኣጽዋራትን ናብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ይልእኻ ኣለዋ።

ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬን ልዕሊ 100ሺሕ ወተሃደራት ምስፋራ ወራር ክትፍጽም`ያ ዝብል ሻቕሎት ኣሕዲሩ`ሎ።

ኣመሪካ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራታ ኣብ ተጠንቀቕ ጌራቶም `ላ።

ኤፍ-16 ዝተባህላ ነፈርቲ ወግእ ኣብ ልቱዋኒያ ኣዕሊባ`ላ ፡ደንማርክ፡ ኣብ ባልቲክ ዘሎ ሓለዋ ኣየር ኔቶ ሓይሊ ምድራዕ።

ሩስያ ኣብ 2014 ንክረሚያ ድሕሪ ምጉባጣ፡ ኔቶ ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ ወተሃደራት ኣስፊሩ`ሎ፡ ኣብ ቅድሚት ህላዌኻ ምርግጋጽ ብዝብል። ሕጂ ድማ ኣመሪካ ተወሳኺ 8,500 ሰራዊት ኣብ ተዳሎ ጌራ`ላ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን "ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳን ኔቶን ኣብ ቀረባ ከንቀሳቕስ`የ"ኢሎም።

ፈረንሳ`ውን ኣማኢት ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ሮማንያን ስጳኛን ከምትልእኽ ክተፍልጥ ከላ፡ነዘርላንድስን ጀርመንን ድማ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርትን መራኽብ ውግእን ንምልኣኽ ይሓስባ`ለዋ።

ብሪጣንያ ንዩክሬን ድሮ ክልተ ሺሕ ዝኸውን ጸረ-ታንኪ ሚሳይላት ልኢኻትላ`ያ ። ናብ ኔቶ ተወሳኺ ወተሃደራት ክትጽንብር`ውን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ሓሳብ ክተቕርብ ትጽቢት ኣሎ።

ሚንስተር ምክልኻል እንግሊዝ በን ዋለስ፡"እቲ ምልኣኽ ሰራዊት ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዘሕልፎ መልእኽቲ፡ እቲ ዘይደልዮ ተወሳኺ ሓይሊ ኔቶ ናብ ሩስያ ገጹ ምጽጋዕ፡ ሳዕቤን ናይቲ ከም ዩክሬን ዝበለት ልዑላዊት ሃገር ንምውራር ዝገብሮ ስትራተጂያዊ ጌጋ`ዩ ክኸውን" ይብል።

ኔቶ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣብ ዩክሬን ከስፍር ዛጊት መደብ የብሉን።

ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ማለት ኔቶ፡ ንወራር ሩስያ`የ ግብረ-መልሲ ዝህብ ዘለኹ ይብል። ሩስያ ድማ ሽሕ`ኳ ልዕሊ 100 ሺሕ ሰራዊት ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክሬን እንተስፈረትን ኣሸሓት ተወሰኽቲ ንሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ በላሩስ እንተስፈረትን ዘይጭቡጥ ሃለውለው`ዩ ክትብል ትነጽጎ፡ ።

በላሩስ ድማ ምስተን ኣባላት ኔቶ ዝኾና ፖላንድ: ላቲቭያን ሊቱዋንያን ትዳወብ ሃገር`ያ።

ጁሊ ኖርማን ካብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን መምህሪ ፖለቲካ ኣብዚ ኹሉ እዋን፡ ጠለብ ሩስያ፡ ወተሃደራት ኔቶ ናብ ሃገራት ምብራቕ ከይጽግዑ ዝጽውዕ`ዩ ትብል ።

"ቀንዲ ጠለብ ፑቲን፡ ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ዘሎ ህላዌ ኔቶ ናብኡ ንኸይጽጋዕ`ዩ። ስለዚ ኣብቲ ዶብ ተወሳኺ ሓይሊ ምድራብ ፡ ከም ብሩስያ ዝግበር ምትኹታኽ `ምበር ከም ምክልኻል ዝርአ ኣይኮነን" ትብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኩናት ንምውጋድ ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ`ውን ኣይዓረፈን። ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዩክሬን ክበጽሕን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ብተለፎን ክራኸብን ምደብ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG