ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብርቱዕ ህቦብላዊ ዝናብ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሱዳን ምዕናው ሕ/ሃ ገሊጹ


ብርቱዕ ህቦብላዊ ዝናብ፣ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ዚ፣ ልዕሊ 16,000 ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ኡም ራቁባን ጡናየብን ጉድኣት ከምዝወረዶም፣ ንብረት እቶም ስደተኛታት ብውሕጅ ከምዝተወሰደን እቲ ዜና ጠቂሱ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ጊዜ ይጓየ ከምዘሎን ምስ መሻርኽቱ ኮይኑ ንመጽለሊኦም ንምትካእ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይን ካልኦት ቀረባትን ንምምላእ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG