ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብራዚል፡ ፌስቡክ ናይ ተጠቐምቲ ሓበሬታ ብዘይግቡእ ኣመሓላሊፉ’ዩ ብምባል 1.6 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ወሲና


ፋይል

ሚንስትሪ ፍትሒ ብራዚል ናይ ኣሜሪካ ዝዓበየ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ዝኾነ ፌስቡክ ናይ ተጠቐምቲ ሓበሬታ ብዘይግቡእ መንገዲ ኣመሓላሊፉ’ዩ ብምባል ናይ 1.6 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ኽከፍል ወሲኑ’ሎ።

ናይቲ ሚንስትሪ ክፍሊ ምክልካል ዓማዊል ካብ 443,000 ተጠቐምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ብዘይግቡእ መንገዲ ሓበሬታ ናብ ‘ዚስ ኢስ ዮር ዲጂታል ላይፍ'(thisisyourdigitallife) ንዝተባህለ ካልእ ኣፕሊኬሽን ምትሕልላፉ ዝሕብር ሓበሬታ ምርካቦም ይገልጹ።

ፌስቡክ ብወገኑ ብዛዕባ ዝቐረበ ክስታት መልሲ ኣይሃበን።

ሚንስትሪ ፍትሒ ብራዚል ፌስቡክ ንተጠቐምቱ ብዛዕባ ብሕታዊነት ብቑዕ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን ይብል።

እቲ ሚንስትሪ ብመሰረት ሓደ ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝኾነ ትካል ኣብ 2018 ዝቐረበ ሪፖርት ነቲ ምርመራ ምክያዱ ይገልጽ።

ፌስቡክ ንዝመጽእ 10 መዓልታት ይግባይ ክብል ዕድል ተዋሂቡ’ሎ። እቲ መቕጻዕቲ ድማ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክኽፈል ሚንስትሪ ፍትሒ ብራዚል ወሲኑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG