ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብራዚላውያን ተመራመርቲ፡ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ክታበት ኮቪድ19 ኣድማዒ`ዩ ይብሉ


ብራዚላውያን ተመራመርቲ፡ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ክታበት ኮቪድ19 ኣድማዒ`ዩ ይብሉ`ለዉ።

እንተኾነ፥ ንኣሰራርሓ`ቲ ክታበት ብዝምልከት ዘይነጸረ ነገራት ስለዘሎ ካብ ምጥቃም ጠጠው ኢሉ ከም ዘሎ ይገልጹ።

እቲ ሲኖቫክ ወይ ኮሮናቫክ ዝተሰምየ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ክታበት፥ ካብ ኣብ መንጎ ዓለምና ኣብ ንሰባት ክውሃብ ቅድድም ዝግበረሉ ዘሎ ክታበታት ሓደ`ዩ።

ላቲን ኣሜሪካ ትማሊ ፈላማይ ክታበት ኣትዩዋ`ሎ- ብፋይዘር ባዮ ኤን ተክ ዝፈረየ ክታበት ኮቪድ ትማሊ ካብ በልጅም ተጻዒኑ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ኣትዩ`ሎ።ሚንስተር ወጻኢ`ታ ሃገር ድማ ንፈላማይ ምእታው ክታበት ኮቪድ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ኣቀባብላ ጌርሉ'ሎ።

ሜክሲኮ 1.4 ሚልየን ዓቐን ክታበት ክትቅበል መደብ ተታሒዙ`ሎ። ካልኦት ሃገራት ላቲን ድማ ይጽበያ`ለዋ : ከም ኣርጀንቲና ዝበላ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገራተን ክታበት የጽድቓ`ለዋ።

ምምሕዳር ትራምፕ ተወሳኺ 100 ሚልየን ዓቐን ክታበት ንምርካብ ምስ ፋይዘር ናይ 2 ቢልየን ዶላር ውዕል ጌሩ`ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ብሪጣንያ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ ምስ ተባህለ ካብን ናብን መገሻ ካብ ዘቋረጻ ሃገራት፥ ቻይና ዳሕረወይቲ ሃገር ኮይና`ላ።

XS
SM
MD
LG