ብሪጣንያ ኣብ ግጭት ዘለዉ ከባቢታት ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንክታበት ኮቪድ ዕድል መታን ክረኽቡ፡ ውዕላት ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ ከሕልፍ ክጽውዕ`የ ትብል ኣላ-።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራዓብ፡ ነዚ ቫይረስ`ዚ ንምስዓር ብሓባር ተወሃሂድና ክንሰርሕ ሞራላዊ ግዴታ ኣለና ኢሉ።
ብሪጣንያ ነዚ ወርሒ`ዚ ነቲ 15 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ብፕረዚደንትነት ትመርሕ ዘላ`ያ።
ሕቡራት ሃገራት ንምዕሩይ ዕድላት ክታበት ኮቪድ 19 ክደፍእ ጸኒሑ`ሎ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ልዕሊ 160 ሚልየን ሰባት ኣብ ሓደጋ ምስኣን ክታበት ኮቪድ ኣለዉ-ብፍላይ ኣብተን ግጭታት ዘለወን ከም የመን:ሶርያ: ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝበላ ኢሉ።
ስለዚ እቲ ክታበት ተቐሪቡ ንዝርግሐ ድልው ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ንድሕነትን ጸጥታን`ቶም ከተብትን ተኸተብትን ተባሂሉ ግዜያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ኣለዎ ኢሉ።
እዚ ኣገባብ`ዚ ኣብ 2001 ኣብ ኣፍጋኒስታን ንኣስታት ሽዱሽተ ሚልየን ቆልዑት ክታበት ፖሊዮ ኣብ ምሃብ ከም ዝተሰርሓሉ`ውን ብሪጣንያ ተዘኻክር።
ቅድሚ ሎሚ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ቀሪቡ ዝነበረ ተመሳሳሊ ጻውዒት ምቁራጽ ተኹሲ ዘይምስምማዕ ኣጋጢምዎ ምናብሩ ይዝከር።
እዚ ሎሚ ረቡዕ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ- ቅድሚቲ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ጉጅለ 7ተ`ዩ ዝኸውን ዘሎ-ንዕኡ ትመርሖ`ውን እንግሊዝ`ያ- ኣብ ኮቪድ 19 ክተተኩር ትጽቢት ኣሎ።