ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ኣምባሳድራ ናብ ኢትዮጵያ ተግዕዝ


 ኣምባሳድር ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን ጋይልስ ለቨር
ኣምባሳድር ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን ጋይልስ ለቨር

ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ኣምባሳድራ ጋይልስ ለቨር፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት፡ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ምግዓዛ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ከም መግለጺ እቲ ኤምባሲ፡ እቲ ኤምባሲ ኣብ ሓድሽ ግዜያዊ ቦታኡ ብምዃን ነቲ ጎንጺ ንምዕራፍ ክሰርሑ ትጽቢት ይገብሩ።

ብሪጣንያ፡ ከም ብዙሓት ሃገራት፡ ንዜጋታታ ካብ ሱዳን ዘውጽአት ኰይና፡ ነቲ ን72 ሰዓታት ጸኒዑ ዘሎ ምቍራጽ ተጻብኦታት ሱዳን ንምቕጻሉ ትደፈእ ምህላዋ ብመገዲ ቀዳማይ ሚኒስተራ ሩሺ ሱናክ ኣመልኪታ።

XS
SM
MD
LG