ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ንዘይሕጋዊያን ስደተኛታትን ኣስገርቲን ትርር ዝበለ መቕጻዕቲ ተተኣታትው


መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ብዘይሕጊ ናብ`ታ ሃገር ዝኣትዉ ብገበን ዘቕጽእ ሓዲሽ ሕጊ የተኣታቱ`ሎ።

ብመሰረት`ቲ ዝተኣመመ ሓዲሽ ሕጊ፡ ዝኾነ ብዘይሕጊ ክኣቱ ዝተታሕዘ ሰብ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሕ ማእሰርቲ ክፍረዶ`ዩ። እቲ ስጉምቲ ነቶም ብናእሽቱ ጀላቡ ጌሮም በቲ እንግሊዝ ቻነል ተባሂሉ ዝፍለጥ መስመር ክኣትዉ ንዝፍትኑ ሓሳቦም ንምቕያር ዝዓለመ`ዩ።

እቲ ሓዲሽ ሕጊ ማይግረሽን ብሪጣንያ ንዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ድማ ትርር ዝበለ ማለት ካብ 14 ዓመታት ክሳብ ዕድመ ልክዕ ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ከምዝጽበዮም ኣጠንቂቑ`ሎ። ሓዲሽ ሕጊ ማይግረሽን ብሪጣንያ እቶም ብሕጋዊ ናይ ስደተኛታት ምእታው ዝተፈቕደሎም ጥራይ`ዮም ብሪጣንያ ክነበሩ ናይ ዑቕባ ዕድል ዝወሃቦምን ይብል ።

XS
SM
MD
LG