ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ንክታበት ቫይረስኮሮና ኣስትራዘኒካ ኣጽዲቓ


ኣብ ብሪጣንያ ቁጽሪ ብኮቪድ 19 ዝተታሕዙ ይውስኽ ኣብዘለሉ ሕጂ እዋን እታ ሃገር ኣስትራዘኒካ ዝተባህለ ክታበት ኣፅዲቓ።ብሪጣንያ ነቲ ብኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲንን ኩባኒያ መድሓኒት ኣስትራዘኒካን ዝተማህዘ ክታበት ክተፅድቕ ፈላመይቲ ኮይና ኣላ።ተመራመርቲ እቲ ክታበት ይካየድ ኣብዘሎ ወፍሪ ፀረ እቲ ለበዳ መቐይሮ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ተስፍኦም ይገልፁ።

እቲ ክታበት ውፅኢታውነቱ 70 ሚእታዊት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።ዋጋ ናይቲ ክታበት እውን ኣርባዕተ ዶላር ክኸውን ከሎ ብተዛማዲ ኣብ ንቡር መጠን ዛሕሊ ዘለዎ መዝሓሊ ክቕመጥ ከምዝክእል ይግለጽ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG