ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ኣብ ናይ አዲስ አበባ መጥቓዕቲ ንዝካየድ መርመራ ንምስታፍ ድልውነታ ገሊጻ


ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብሪጣንያ ኣምባሳደር ሱሳና ሞረሄድ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሰልፊ ድጋፍ ንቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ዝምልከት ዝካየደ መርመራ ንምስታፍ ሃገረን ድልውቲ ምዃና ሓቢረን።

ንሰን ነዚ ዝገለጻ ምስ በዓል ስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ካሱ ዝተዘራረባሉ እዋን’ዩ። ሃገረን ኣብቲ ዝኻየድ መርመራ ንኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድልውቲ ምዃና ገሊጸን: ንግዳያት ድማ መልእኽቲ ጽንዓት ይሃብኹም ኣሕሊፈን።

እቲ ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኣን ሃገራት ሰበ ስልጣን ዝተኻየደ ዘተ ነቲ ብቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዝተአታተው ዘሎ ለውጢ ብሪጣንያ ከምትደግፍ ንምግላጽ ኾይኑ ኢትዮጵያ ንተዋጋእቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ንምሽምጋል ተኻየዶ ዘሎ ጻዕርታት’ውን ከምዝመዓዳ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG