ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ነበርቲ ሆንግ ኮንግ ንምጥያስ ተካይዱ ፕሮግራም ንምስፋሕ ወሲና


ብሪጣንያ ካብ ግዝኣታ ዝነበረት ሆንግ ኮንግ እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ ዓፋኒ ስርዓት ቻይና ንዝሃድሙ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መናእሰይ ናይ ምጥያስ ፕሮግራም ንምስፋሕ ወሲና።

እቲ ንሚሊዮናት ነበርቲ ሆንግ ኮንግ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዕድል ዝህብ The British Nationals Overseas (BNO) ዝተባህለ ፕሮግራም ቅድሚ 13 ኣዋርሕ ዝጀመረ'ዩ።እዚ ዝኾነ ነቐፍቲ ንናይታ ከተማ ናጽነት ዝድርት ዝበሉዎ መንግስቲ ቻይና ኣብ ሆንግ ኮንግ ሕጊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ እዩ።

እቲ ፕሮግራም ቅድም ክብል ቻይና ነታ ከተማ ቅድሚ ምርካባ ማለት ቅድሚ 1997 ዝተወልዱ ነበርቲ ሆንግ ኮንግ'ዮም ንዜግነት ከመልክቱ ዘፍቕድ።

ፓርላማ ብሪጣንያ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ምእካቡ ግን ሚንስትሪ ኢምግሬሽን'ታ ሃገር ኣብ ጥቅምቲ ግብራዊ ዝኸውን ለውጢ ኣውጺኡ'ሎ።

በዚ መሰረት ቕድሚ'ቲ ለውጢ ምትግባሩ 5.4 ሚሊዮን ነበርቲ ሆንግ ኮንግ ተጠቀምቲ'ቲ ፕሮግራም ክኾኑ ብቑዓት እዮም።ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ጀሚሩ ልዕሊ 100,000 ሰባት ንዜግነት ዘመልከቱ ክኾኑ ከለው ዕዉታት ኣብ ብሪጣንያ ንዜግነት ክሳብ ዘመልክቱ ንሓሙሽተ ዓመት ክሰርሑን ክመሃሩን ይኽእሉ።

XS
SM
MD
LG