ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ፤ ብመገዲ ወሽመጥ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ዝዓለመ ሕጊ ምውጻኣ ኣፍሊጣ


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ብሪጣንያ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ብወሽመጥ እንግሊዝ ኣቢሎም ናእሽቱ ጀላቡ ተጠቒሞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝኣትው ስደተኛታት ንምቁጽጻር ንዝወጽእ ሓድሽ ሕጊ፣ ከጋጥም ንዝኽእል ብርቱዕ ብድሆ ንምግጣም ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚንስትሪ ወሽጢ ሃገር ሱዌላ ብሬቨርማን እቲ መንግስቲ ንዝኾነ ይኹን ብዘይተፈቐደ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣትው ሓታቲ ዑቑባ ዝኽልክል ሕጊ እዩ ኣተኣታትዩ: በዚ መሰረት መንግስተን ናብ ሃገሮም ወይ ናብ ውሑስ ሳልሳይ ሃገር ክሰጎም ክግደድ እዩ ክብላ ገሊፀን። ናብታ ሃገር መሊሶም ክኣትው እውን ከምዘየፍቕድ ሓቢረን ኣለዋ።

ብሬቨርማን ኣብ ጋዜጣ ዴይሊ ቴሌግራፍ ዘውጽኦኦ መግለጺ"ብዘይሕጋዊ መገዲ እንተኣቲኹም ኣብዚ ኣይክትፀንሑን’’ ኢለን።

"ኣዋጅ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት’’ ብዝብል ሎሚ ሰሉስ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ከምዝቐርብ መንግስቲ ኣፍሊጡ።መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ሕጊ ነቶም ተስፋ ዝቖረፁ ሰባትን ብሓደገኛ ጉዕዞ ብኮንትሮባንድ ዘንቀሳቕሱ በላዕተኛታት ዓዋሉን ዝዓግት ሕጊ እዩ ይብል ።

ቀዳማይ ሚንስትር ሩሺ ሱናክ እቲ ሕጊ ንዶባት ብሪጣንያ ‘’ናብ ቁፅፅሩ ዘእትው’’ እዩ ኢሎም።

ነቐፍቲ ግን ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ኲናትን ማእሰርትን ሃዲሞም ንዝመፁ ሰባት ዝምልከት ከምዚ ዝበለ መደብ ምሕንፃፅ ዘይቅቡልን ዘይሰርሕን እዩ ይብሉዎ።

ኣብ ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ዳይረክተር ሰብኣዊነት ዝኾነት ላውራ ካይረክ-ስሚዝ ‘’እቲ ሕጊ ነቲ ወሽመጥ ማይ ንዝሰግራ ነኣሽቱ ጀልባታት ጠጠው ኣየብልን።ስቓይ ኣብተን ጀልባታት ዝተፅዓኑ ሰባት ዝውስኽን ብሪጣንያ ኣብ ዓለም ዝህልዋ ክብሪ ዝጎድእን እዩ’’ ኢላ።

ብሪጣንያ ምስ ኢጣልያ፣ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ሓዊሱ ምስ ገለ ሃገራት ክትነፃፀር ከላ ዝወሓደ ቁፅሪ ስደተኛታት እያ ትቕበል።

ኣብ 2022 ልዕሊ 45,000፣ ኣብ 2021 28,000፣ ኣብ 2020 ድማ 8,500 ሰባት ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም።

ካብ ብሪጣንያ ንዝተባረሩ ሰባት ዝቕበላ ውሑሳት ዝኾና ሳልሳይ ሃገራት ኣየነዎት እየን ዝብል ንፁር ኣይኮነን።ብሪጣንያ ናብታ ሃገር ዝኣተው ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣወጀቶ መደብ ሕጋዊ ብድሆታት ገጢሙዎ እዩ። ናብታ ምብራቓዊት ሃገረ ኣፍሪቃ ዝተልኣኸ ዋላ ሓደ የለን።ብመሰረት እቲ ስምምዕ ግን ብሪጣንያ ድሮ ንሩዋንዳ 170 ሚሊዮን ዶላር ከፊላታ ኣላ።

XS
SM
MD
LG