ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ: ሰራሕተኛታት መንገዲ ባቡር ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም


ኣብ ሓደ ካብ መዋፈሪ ባቡራት ብሪጣንያ - ፋይል
ኣብ ሓደ ካብ መዋፈሪ ባቡራት ብሪጣንያ - ፋይል

ኣብ ብሪጣንያ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገልጸ ኣድማ ስራሕ ደው ምባል ሰራሕተኛታት ባቡር ተኻይዱ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ኩባንያታት መንገዲ ባቡርን ብዛዕባ ደሞዝን ውሕስነት ስራሕን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ምስ ፈሸለ`ዩ።

ኣብ ማእከላይ ለንደን ሎሚ ንግሆ ባቡራት ጠጠው ኢለን ይርኣያ ኔረን። 40 ሺሕ ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ካብ ሎሚ ጀሚሮም ንስለስተ መዓልታት ስራሕ ጠጠው ከምዘብሉ ብወከልቶም ተሓቢሩ`ሎ።

እቲ ኣድማ ኣብ መርበብ ባቡራት ምልእቲ`ታ ሃገር ጽልዋ ከምዘሕድር ተፈሊጡ`ሎ። ኣብ ለንደን ብትሕቲ መሬት ዝኸይድ መስመራት ባቡር`ውን በቲ ኣድማ ከምዝጽለው ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ሚንስተር መጎዓዝያ ብሪጣንያ ግራንት ሻፕስ፡ በቲ ዕጽዋ ኣገልግሎት ንማሕበር ሰራሕተኛታት`ዩ ዝጥቅን፡ ድሕሪ ኮቪድ19 ዓለም ንዝግበር ናይ ስራሕ ምትዕርራይ ምቕባል ኣብዮም ይብል።

XS
SM
MD
LG