ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ: ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክትሰዶም ምምዳባ ካብ ብዙሓት ተቓውሞ ኣስዒቡ'ሎ


ብሪጣንያ: ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክትሰዶም ምምዳባ ካብ ብዙሓት ተቓውሞ ኣስዒቡ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:17 0:00

ብሪጣንያ: ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክትሰዶም ምምዳባ ካብ ብዙሓት ተቓውሞ ኣስዒቡ'ሎ

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ፡ ጉዳዮም ኣብኡ ክርኣይ ብዝብል ናብታ ኣሸሓት ኪሎሜተራት ርሒቓ ትርከብ ሩዋንዳ ክሰዶም መዲቡ'ሎ።

ብሪጣንያ ከምኡ ትገብር ዘላ፡ ስደተኛታት፡ ነኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒሞም በቲ እንግሊዝ ቻነል ዝብሃል መስመር ባሕሪ ዝገብርዎ ጉዕዞ ንምክልኻል ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብዚ ዓመት`ዚ ጥራይ ልዕሊ 4,500 ስደተኛታት በቲ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝቖርጽ መስመር ባሕሪ ናብ ብሪጣንያ ሰጊሮም ኣለዉ። እቲ ቁጽሪ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይግለጽ። እቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ደው ክብል ኣለዎ ኣብ ዝብል፡ ሓፈሻዊ ስምምዕ`ኳ እንተሃለወ፡ ብኸመይ ኣብ ዝብል ግን ተሪር ክትዕ`ዩ ዘሎ።

ብሪጣንያ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ መደብ ነቶም ስደተኛታት፡ ናብታ 4-ሺሕ ማይል ርሒቓ ትርከብ ሃገረ ርዋንዳ ምግዓዝ`ዩ፡ክሳብ መስርሕ ወረቐቶም ዝሳለጥ ኣብ ርዋንዳ ኣብ ሓደ መትሓዚ ማእከል ክጸንሑ ዝብል`ዩ።

ሚንስተር ውሽጢ ሃገር ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፡ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ኪጋሊ ኣብ ዝበጸሓትሉ እዋን`ዩ ነቲ መደብ ምግዓዝ ስደተኛታት ከምዚ ክትብል ኣፍሊጣ ኔራ፡“ብቀጻሊ ዝርኣይ ዘሎ ምጉዕጻጽ ሕግታትናን ሕግታት ኢሚግረሽንን፡ ከምኡ`ውን ንገበናዊ ምዝመዛ ዘቃልዕ ኣካይዳ፡ ኣብ ምሕታት ዑቕባ ንዝጸንሐ ህዝባዊ ድጋፍ ኣዳኺምዎ`ዩ። ገበነኛታት ኣሰጋገርቲ ደቂሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ምግባር ሞራላዊ ግዴታ`ዩ። ሓዲሽ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ኢድና ዘሎ ኩሉ ዕድላት ክንጥቀም ኣለና" ኢላ።


ብሪጣንያ ንቀዳማይ እግሪ መፈተንታ`ቲ መደብ፡ ንርዋንዳ 156 ሚልየን ዶላር ሂባታ`ላ። እዚ ነቲ መቕበሊ ማእከላትን ተመሳሳሊን ክኸውን ከሎ ብመሰረት`ቲ ውዕል ብተወሳኺ`ውን ብሪጣንያ ንነብስወከፍ እትቕበሎ ስደተኛ ክትከፍለሉ`ያ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ቪንሰንት ቢሩታ፡ እቲ መደብ ንልምዓት ርዋንዳ ከምዝሕግዝ`ውን ይዛረብ፡“እዚ መደብ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ ዝሕግዞምሲ፡ ንርዋንዳን ርዋንዳውያንን`ውን ንልምዓታዊ ዕብየትና ክረብሓና`ዩ" ይብል ።

እንተኾነ እዚ ፖሊሲ`ዚ ከቢድ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ`ሎ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣንገሊካን ዝለዓሉ ዝብሃሉ ሊቀ-ጳጳስ ካንተርበሪ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቅዳሴ ፋሲካ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ተቓሞኦም ኣስሚዖም ኔሮም፡፡

"ንናይ ባዕልና ሓላፍነት ንኻልእ ብኩንትራት ምሃብ፡ ወላ ከም ርዋንዳ ዝበላ ጽቡቕ ክገብራ ዝሕልና`ውን እንተኾነ፡ ከምኡ ምግባር እግዚሐር ዝፈትዎ ስራሕ ኣይኮነን" ኢሎም።

ተሓለቕቲ ስደተኛታት ድማ፡ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ብውሑስ ዝኣትውሉ ኣገባብ ክጽውዑ ጸኒሖም`ዮም።

እቶም ተሓለቕቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ንባዕሉ ኣብ ርዋንዳ ሻቕሎት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘሎ እናፍለጠ፡ ንስደተኛታት ንመስርሕ ዑቕባ ኢሉ ናብ ርዋንዳ ክሰዶም ግቡእ ኣይኮነን ይብሉ።

ጀምስ ዊልሰን ካብ ዲተንሽን ኣክሽን ማለት ተግባር ጸረ ማሕዩር ዝተባህለ ማሕበር`ዩ፡“ እዚ ሰብኣውነት ኣይኮነን። ኣዝዩ ክቡር ወጻኢ ዝሓትት እንደገና`ውን ኣድማዒ ዘይከውን ነገር`ዩ። ብሪጣንያ ኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት ዝፈረመት ሃገር`ያ። ንዝኾነ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝሓትት ናይ ምሕጋዙ ሕጋውን ሞራላውይን ግዴታ ኣለና" ይብል።

ብሪጣንያ ዝተወሰኑ ስደተኛታት ጥራሕ ናብ ርዋንዳ ከምትሰድድ ኣመልኪታ`ላ፡ ምናልባት`ውን በይኖም ንውልቆም ዘለዉ ደቂ-ተባዕትዮ`ዮም ናብ ርዋንዳ ክልኣኹ'ዮም ይበሃል ኣሎዝብሃል ዘሎ።

ተሓለቕቲ ስደተኛታት ከምኡ`ውን እቶም ስደተኛታት ዳግም ናብ ብሪጣንያ ክምለሱ ክፍትኑ ይኽእሉ`ዮም፡ እዚ ድማ ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ምትብባዕ ጥራይ`ዩ ዝኸውን ይብሉ ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ግን፡ እቲ ናብ ርዋንዳ ምልኣኽ፡ ነቶም ብእግሊሽ ቻነል ኣቢሎም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ሓደገኛ ጉዕዞ ዝገብሩ፡ ከጉድለለይ`ዩ ዝብል እምነት ሒዙ`ሎ፡።

XS
SM
MD
LG