ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምብራር ዝሓዘቶ ፈላማይ በረራ ሰሪዛቶ


ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣብ መወዳእታ ደቒቓ ጣልቃ ብምእታው ‘’ኣብ ልዕሊ እቶም ሓተቲ ዕቑባ ርኡይ ሓደጋን ዘይቕቕየር ጉድኣትን’’ ኣለዎ ኢሉ ድሕሪ ምውሳኑ ብሪጣንያ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምብራር ዝሓዘቶ ፈላማይ በረራ ሰሪዛቶ።

እቲ በረራ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ክፍፀም መደብ ተታሒዙ ነይሩ።ጠበቓታት ናይቶም ሓተቲ ዕቑባ ነቲ ምስጓግ ክእገድ ንነፊስ ወከፍ ዝርዝር ኣካላት መንግስቲ ቅዳሕ ብምግባር ተጓይዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ልዕሊ እቲ ፖሊሲ ብዙሕ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ንሕጊ ኢሚግሬሽን ኣብ ሕቶ የውድቑዎ ኣለው ክብሉ ንነቐፍቶም መሊሶም ነቒፎም።

ብሪጣንያ ንሩዋንዳ ድሮ 158 ሚሊዮን ዶላር ከፊላታ ኣላ፤ ቁፅሪ ናይ ዝባረሩ ሰባት መሰረት ብምግባር ድማ ተወሳኺ ክፍሊት ክትፍፅም እያ።

XS
SM
MD
LG