ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሩንዳዊያን ንስልጣን ፕረዚደንት ዘናውሕ ናይ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ አጽዲቖም


ብሩንዳዊያን ወሃብቲ ድምጺ ንፕረዝዳንት ኒኩሪንዚዛ ክሳብ 2034 ዓ.ም ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ንዘኽእሎም ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ኣፅዲቖምዎ።

ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ሎሚ ሶኑይ ከምዝገለፆ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብዝተኻየደ ሕገመንግስታዊ ውሳነ ወይ ረፈረንደም 73 ሚእታዊት ነቲ ምምሕያሽ ደጊፎምዎ ኣለው።

እቲ ምምሕያሽ ፕረዝዳንታዊ ናይ ስልጣን ግዜ ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ ዓመታት ብምንዋሕ ኣብ 2020 ዓ.ም ስልጣኖም ከብቅዕ ዝነበረ ፕረዝዳንት ፒየር ንኩርንዚዛ ንኽልተ ናይ ስልጣን እዋን ክወዳደሩ ዝፈቅድ እዩ።

ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ቦታ ብምፍጣር እውን ኣብ መንጎ ሑቱን ቱትስን ናይ ስልጣን ምክፍፋል ዘኽእሎም ስልጣን ቀዳማይ ሚንስትር እውን ፈጢሮም ኣለው።

ኣቐባሊት ቃል ሚንስትሪ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሃዘር ናውረት እቲ ረፈረንደም ግልፅነት ዘይነበሮ፣ማዕኸናት ዜና ከይሰርሓ ዝተኣገዳሉን ኣብ ልዕሊ ኣድመፅቲ ተፅዕኖም ዝነበሮን እዩ ኢለን ።ብሩንዲ እቲ ረፈደረንደም ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ 10 መዓልታት ንፈነወታት ድምፂ ኣሜሪካን ቢቢን ምእጋዳ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG