ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሩንዳዊያን ናይ ስልጣን ዘመን ፕረዚደንት ንምውሳን ሪፈረንደም የኻይዱ


Burundi 4
Burundi 4

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብሩንዳዊያን ናይ ፕረዚደንት ፔረ ኑኩሪዚዛ ናይ ስልጣን ዘመን ንምውሳን ሎሚ ሓሙስ ሪፈረንደም የካይዱ ኣለው።

ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ከተማ ቡጂምብራን ኣብ ዝተፈላለየ ድምጺ መውሃቢ ኑቕጣ’ታ ሃገር ድምጾም ንምሃብ ተሰሪዖም ተራእዮም።

ብሩንዳዊያን ናይ ስልጣን ዘመን ፕረዚደንት ንምውሳን ሪፈረንደም የኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:02 0:00

ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ስልጣን ዘመን ናይ ሓደ ፕረዚደንት ሓሙሽተ ዓመታት ኮይኑ እቲ ክትኣታትው ተደልዩ ዘሎ ለውጢ ድማ ንናይ ስልጣን ዘመን ናይ ሓደ ፕረዚደንት ናብ ሸውዓተ ዓመት ዘናውሕ’ዩ። ብተወሳኺ ብመሰረት ሕጊ መንግስቲ ብሩንዲ ሓደ ፕረዚደንት ክልተ ጊዜ ጥራይ ክምረጽ ከምዝኽእል ይገልጽ ይኩን ደአ እምበር እዚ ሓድሽ ለውጢ ፕረዚደንት ኑኩሪዚዛ ከም ሓድሽ ንክልተ ጊዜ ክወዳደሩ ፍቓድ ዝህብ ክከውን’ዩ።

ፕረዚደንት ፔረ ኑኪሪንዚዛ ካብ 2005 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ስልጣን ዘለው መራሒ’ታ ሃገር ኮይኖም ኣብ 2015 ዓ.ም ብዝተኻየደ ምርጫ ንመበል ሳልሳይ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን ዘመን ዝመርሑ ዘለው እዮም።

ብሩንዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንፈነወ ቢቢሲን ድምጺ ኣሜሪካን ንሽዱሽተ ወርሒ ምእጋዳን ንራድዮ ፈረንሳ ኢንተርናሽናል ድማ መጠንቐቕታ ምሃባ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG