ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሩንዲ: ን15 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ፕረዚንደት ኒኩሪንዚዛ ንምትካእ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሎሚ ተጀሚሩ'ሎ


ኣብ ምብራቓዊት ኣፍሪቃ ቡሩንዲ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዜጋታት ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝፀንሑ ፕረዚደንት ፒየር ንኩሩንዛዛ ዝትክእ ፕረዚደንት ንምምራፅ ሎሚ ረቡዕ ድምጾም ክህቡ ውዒሎም።

ንኩሩንዚዛ ቅድሚ ሓሙሽት ዓመት ንሳልሳይ ኣሰሓሓቢ ዙር መዝነት ድሕሪ ምውድዳሮም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ 300,000 ቡሩንዳዊያን ካብታ ሃገር ክህድሙ ተገዲዶም።ብመሰረት መርመራ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብሓይልታት መንግስቲ ተቐቲሎም ክብል ይከስ ስ፤ ቡሩንዲ ግን ነዚ ትነፅጎ።

ብፕረዚደንት ኒኩርንዚዛ ዝተሓርዩ ጀነራል ኢቫሪስተ ደይሺሚየን ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ኣጋቶን ራውሳን ሓዊሱ ሸውዓተ ሕፁያት ይወዳደሩ ኣለው።

እዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስኮሮና ይካየድ እንተሎ መራሕቲ ናይታ 11 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ እትውንን ሃገር ንስግኣት እቲ ለበዳ ዕሽሽ ብምባል ዓበይቲ ፖለቲካዊ ናይ ምልዕዓል ኣኼባታት ከካይዱ ፀኒሖም እዮም።

ዝኾነ ናብ ቡሩንዲ ዝኣተው ወፃእተኛ ን14 መዓልታት ክውሸብ ከምዘለዎም መንግስቲ ቡሩንዲ ድሕሪ ምግላፁ ምርጫ ዝዕዘብ ዓለምለኸ ተዓዛቢ ናብ ብሩንዲ ኣይኣተውን።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG