ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሩንዲ ንፈነወታት ድምጺ ኣሜሪካን ቢቢሲን ንሽዱስተ ወርሒ ኣጊዳ


ብሩንዲ ንፈነወታት ድምጺ ኣሜሪካን ቢቢሲን ንሽዱሽተ ወርሒ ኣጊዳ።

ብሩንዲ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈት ክልተ ሰሙን ቅድሚ ሃገራዊ ምርጫ’ታ ሃገር እዩ፤ እዚ ምርጫ ንሕገ መንግስቲ’ታ ሃገርን ንደረት ስልጣን ፕረዚደንት’ታ ሃገር ብዝምልከት ለውጢ ዘተኣታው ምርጫ ክካየድ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተረፈሉ እዋን እዩ።

እተን መሓውራት ዜና ዘይሞራላዊ ስነ ምግባር ብምቅስቃሰን ምዃኑን እዚ ንፈነወታት ድምጺ ኣሜሪካን ቢቢሲን ዝእግድ ውሳነ ካብ ሶኑይ ከምዝጅመር መንግስቲ ብሩንዲ ይገልጽ።

እቲ ኮሚቴ ራድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል መጠንቀቕታ ሂቡ’ዩ።

ዳይሬክተር ድምጺ ኣሜሪካ ኣማንዳ በነት ነቲ ውሳነ ብምኹናን ፈነወ ድምጺ ኣሜሪካ ብቋንቋታት ኪሩንዲን ኪሩዋንዳን ከምዝቕጽል ሓቢረን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG