ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሩንዲ: ሕጹይ ገዛኢ ፓርቲ ብገፊሕ ተዓዊቱ


ኣብ ብሩንዲ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፥ ሕጹይ ገዛኢ ፓርቲ ብገፊሕ ተዓዊቱ- ተቓወምቲ ግን ዝተጨርበርበረ ምርጫ`ዩ ይብልዎ`ለዉ።

ኮሚሽን ምርጫ`ታ ሃገር ትማሊ ሶኑይ ከፊላዊ ውጽኢት ኣፍሊጡ`ሎ-ኢቫሪስቲ ንዳዪሺሚየ ድማ ብ 69 % ድምጺ ከም ዝተዓወተ ኣፍሊጡ። ቀንዲ መወዳደርቱ ኣጋቶን ርዋሳ ድማ 24 % ድምጺ ረኺቡ። እንተኾነ እቲ ምርጫ ናጻ ኣይነበረን ብምባል ነቲ ውጽኢት ተቓዊምዎ`ሎ። ወሃቢ ቓል`ቲ ብ CNL ዝፍለጥ ተቓዋሚ ፓርቲ ተረንስ ማኒራምቦና ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ ንሕና መራሒና ርዋሳ ከም ዝሰዓረ ዘርኢ ናትና ዝተቆጸረ ድምጺ ኣለና ኢሉ።

" ​እቲ ምቑጻር ድምጺ ዳግም ክካየድ ንዝምልከቶ ኣካል ክንሓትት ኣለና። ንሱ ኣስዒቡ እቲ ብኮሚሽን ምርጫ ዝተነግረ ውጽኢት ንድልየት ህዝቢ ዘየንጸባርቕ ምዃኑ መርትዖ ኣለና"ኢሉ።

ኣተሓሒዙ ኮሚሽን ምርጫ ንናይ ተቓወምቲ ተዓዘብቲ ካብ መደበራት ምርጫ ከምዝርሕቑ ብምግባር ምስ ገዛኢ ፓርቲ ወጊኑ ናይ ሓሶት ቁጽሪ ይህብ ኣሎ ክብል`ውን የማርር።

ካብ መንግስቲ ኮነ ካብቲ ተመራጺ ፕረዚደንት ዝተዋህበ ምላሽ የለን። እንተኾነ ምኽትል ፕረዚደንት ብሩንዲ ሲንዶምዎ፡ ነቲ ክስታት ዋጋ ብምኽላእ ንተዓዋቲ እንቋዕ ኣሓጎሰካ ኢሎም ኣለው። " ምርጫ ሕጂ ተወዲኡ`ዩ- ተመራጺ ፕረዚደንት ኢቫሪስቲ ንዳዪሺምየ መራሒ ኩሎም ብሩንዳውያን ክኸውን ንዝጽውዕ " ኢሉ።

ገዛኢ ፓርቲ ብሩንዲ ኣብ ፓርላማ`ውን 72 መናብር ብምሓዝ ተዓዊቱ`ሎ- ካልኣይ ዝወጸ ድማ 27 መንበር።

ዛዛሚ ውጽኢት ምርጫ ብሩንዲ ሎሚ ሰሉስ ክፍለጥ`ዩ- ተቓወምቲ ጉዳዮም ናብ ሕገ-መንግስታዊ ቤት-ፍርዲ ንምውሳድ 10 መዓልቲ ኣለዎም። እዚ ሕጂ ኣብ ብሩንዲ ተዓዊቱ ዘሎ፥ በቲ ንብሩንዲ ንነዊሕ ዝመርሐ ፒየረ ንኩርንዚዛ ዝተረቑሐ`ዩ።

XS
SM
MD
LG