ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብረት ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን ንሰላም ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ሰላምን ምዕባለን እታ ሃገር ክዓዝዝ ይጽውዓ


ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን ንሰላም ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ሰላምን ምዕባለን እታ ሃገር ክዓዝዝ ይጽውዓ

ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሕጂ እዋን ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን ንሰላም ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ሰላምን ምዕባለን እታ ሃገር ክዓዝዝ ይጽውዓ ኣለዋ።

እቲ ንስደተኛታትን ኣብ ስደት ዝርኸባ ደቂ ኣንስትዮ ዝውክል ሕብረት ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ጎኒ ጎኒ እቲ ዘተ ሰላም ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን 35 ሚእታዊት ንደቂ ኣንስትዮ ክሕዛእ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ።

ሓንቲ ካብ አባላት’ቲ ሕብረት ዘይነብ ያሲር “ ሎሚ ጻዕዳ ክዳውቲ ተኸዲና ኢና ኣብዚ ንርከብ ዘለና እዚ ድማ መራሕትና ንደቡብ ሱዳንን ንህዝባን ዘድልይ ዘሎ ሰላም ምዃኑ ክግንዘቡ’ዩ” ትብል።

እቲ ብመንጎኝነት መራሕቲ ሃይማኖት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ሓባራዊ ዝኾነ ኮሚተ መሪሕነት ክቐውም ብተወሳኺ ድማ ክልተ ንኡሳን ኮሚተታት ንትግባረ ውሳነታት ዝዕዘባ ክዳለው ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብጽሑ ተፈሊጡ’ሎ።

ካልእ ተወሳኺ ከም ጉዳያት ምምሕዳር፡ ሕቶ ፈደራሊስምን ሓላፍነት ምምቕራሕን ቁጽሪን ዓቐንን ግዝኣታት ዝብሉ ጉዳያት ግን እቲ ዘተ ይቕጽል ከምዘሎን እቲ ሽዱስተ አባላት ብዘለውዎ ጉጅለ መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ብመንጎኝነት እቲ ዘተ ንዝመጽእ ክልተ መዓልታት ከምዝመርሖ ተፈሊጡ’ሎ።

ፍሉይ ልዑኽ ኢጋድ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኢስማዒል ዋይስ “ ክልቲኦም ወገናት ንበይኖም ብምዃን ነቲ ዘተ ከካይዱ ብዝሓተትዎ መሰረት ንሕና’ውን ተሰማሚዕና ካብ ትማሊ ጀሚሮም ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ዘተ ጀሚሮም ኣለው። ብናተይ ትዕዝብቲ ክሳብ ሕጂ ጽቡቕ ይከይድ ኣሎ። ብዘይ ዝኾነ ወገን ምትእትታው ኣብ ሰላምን ምርግጋእን እንተተበጺሑ ንደቡብ ሱዳናዊያን ዘኹርዕ ፍጻሜ ኽከውን’ዩ”ኢሎም።

XS
SM
MD
LG