ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብምኽንያት ግንቦት 20 ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ክልል ትግራይ


" ማህበረሰብ ዓለም ኢትዮጵያ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ንምዃን ቀሪባ ኣላ’ሞ መፍትሒ አካል ክኸውን ይግባእ" ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ::ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ዝበለ ብምኽንያት 20 ግንቦት ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ’ዩ::

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 20 ግንቦት ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ: ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩምመልአኽቲ ድሕሪ ምሕላፍ: ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዓወት 20 ግንቦት ከኽብሩ ዝፀንሑ ሽግሓርነት ኣንበልቢሎም ሰብ ዋና ስልጣን ብምዃኖም እዩ ኢሉ::

ኣብ 2017 ዓ.ም ንኢትዮጵያ ምስ ማእኸላይ ኣታዊ ዘለዎም ሃገራት ንምስላፍ ግልፂ ራእይ ተቐሚጡ: ሰላምክሰፍን: ዲሞክራሲ ሱር ክሰድድን ኩለመዳያዊ ልምዓት ንምቅልጣፍ ዘኽእሉ ስርሓት ተፈፂሞም እዮምክብል ገሊፁ::

እቲ መግለጺ እዞም ስርሓት ንምፍፃም ድማ ኣብ መሰረታዊ እምነታትን ዓንድታትን ሕገ መንግስቲ ፌድራላዊዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበሩ ዓበይቲ ሸቶታት ንምዕዋት ሰፋሕቲ ስርሓት ተወጊኖምእዮም ኢሉ::

ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ወነንቲ ሉኣላዊ ስልጣን ምዃኖም ተረጋጊፁ: ንግድን ኢንቨስትመንትብምስፍሕፋሕ ነፃነት ልኣላዊነትን ክብርን ኢትዮጵያ ተሰሪሖም ዝበለ እቲ መግለፂ: ካብ ውሽጢ ናብ ደገዝርኢ ድኽነት ኣብ ምንካይን ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምሕያል: ሂብካ ምቕባል መሰረት ዝገበረ ፖሊስ ጉዳይወፃእን ደሕንነት ተቐሪፁ ምንቅስቓስ ስለዝተፈፀመ ለውጢ ተመዝጊቡ ኢሉ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

በዚ ድማ ኣብዛ ሃገር ኣብ ኢኮኖሚ: ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዓውድታት ለውጥን ዕብየትን ከምዝተመዝገበእቲ መግለፂ ዘርዚሩ::

መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ወሲኹ እዚ ጉዕዞ ድማ ኣብዛ ሃገር ብዝተፈጠረ ሓታቲ ሕብረተሰብ ድልየታትንሕቶታትን ብእዋኑ ብዘይምምላሶም ብኻልእ ገፅ ድማ ናይ ቀደም ኢህወደግ ዝነበሮ ኣትሓሳስባን ተግባር ኣካብነት ክራይን ዝፈጠሮም ፀገማት ተስፋሕፊሖም ብምቕፃሉ ክተዓናቀፍ ኪኢሉ ይብል::

እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ድማ ብዘይካ ህወሓት ካልኦት ናይ ቀደም ኦህዴድ፣ ብአዴን ብተወሳኺ ድማደኢህዴ ናይ ዕሞቆት ተሃድሶ ገምገማ ብዘይምክያዶም ክፍታሕ ኣይከኣለን ኢሉ::

እቲ መግለፂ ንመንግስቲ ፌደራል ሓይል ነቐፌታ ዝሓዘ እውን’ዩ ኔሩ: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ፌደራል ስልጣንተቖፃፂሩ ዘሎ ኣካል ዜጋታት ብመንነቶም ክመዛበሉ: ብፖለቲካዊ እምነቶም መንነቶምን ድማ ናብ ማእሰርቲይዳጎኑ ኣለዉ ብምባል ከሲሱ::

መንግስቲ ፌደራል ነፃነትን ክብርን ኢትዮጵያ ብዘዋርድ መልክዑ ፖሊስያዊ ነፃነት’ዛ ሃገር ንጎኒ ጎዲፉ: ኩሎም መእተዊ በርታት’ዛ ሃገር ንሓይልታት ወፃኢ ከፊቱ እዩ ብምባል ዝኸሰሰ መግለፂ መንግስቲ እቲ ክልል: ዓበይቲ ትካላት’ዛ ሃገር ከም ሸቐጥ ንዕዳጋ ቐሪቦም ብምባል ተቓውምኡ ገሊፁ::

ኣብ ጉዳይ ምርጫ ንፖለቲካ ውድባት: መራሕትን ምሁራንን ኣብ ዘሕለፎ መልአኽቲ: ቫይረስኮሮና ብሓባርእናመከትና 6ይ ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ንምክያድ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ብሓባር ንቀሳቐስ ክብል ፀዊዑ::

ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ መግለፂኡ ንመሪር ቃልሲ ዝተረኸበ መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናፅነት እንኳዕኣብፀሐካ ድሕሪ ምባል: ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራትግልፂ ዘይኮነ ርክብ ዕንቅፋት ገጢምዎ ይርከብ ብምባል ከሲሱ::ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ሓይሉ ክቕፅል ድማህዝቢ ኤርትራ ግድኡ ከበርክት ፀዊዑ::

መንግስቲ ክልል ትግራይ ንማሕበረሰብ ዓለም እውን መልአኽቲ ኣሕሊፉ እዩ: ኣብ ቅልጡፍ ጉዕዞ ማሕበረኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኣትያ ዝነበረትን ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ዘይብላክትኸውን ኣብ ጫፍ በፂሓላ ኢሉ::

እቲ መግለፂ ምብትታን ኢትዮጵያ: ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ማእኸል ህውከት ብምግባር: ልዕሊ60 ሚእታዊት ምንቅስቓስ ንግዲ ዓለም ክዕገትን መዕንደሪ ግብረራዕዳውያን ንምኻን ምፍቃድ ማለት’ዩ እዩክብል ስግኣቱ ገለጹ። መግለፂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዕምቆትን ስፍሓትን እቲ ፀገም ብምርዳእ ንሓባራዊረብሓ ክበሃል ኣካል መፍትሒ ክትኾኑ ይግባእ ክብል ንማሕበረሰብ ዓለም ፀዊዑ::

"ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ፌደራል ከም ስርዓት ደርጊ ውልቀመላኺ ምዃኑ ይወስዶም ዘለዉ ስጉምትታትየርኢ ኣሎ" ብምባል ከሲሱ::

እቲ መግለፂ ኢትዮጵያ ዳግም ቤት ማእሰርቲ ብሄር ብሄረሰባትን ኣይትኾንን ዝበለ ኮይኑ መስል ዓርሰምሕደራ ብዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ኣይምንዛዕን ኢሉ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ብምኽንያት ግንቦት 20 ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ክልል ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:46 0:00


XS
SM
MD
LG