ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብምክንያት በዓል ልደት ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ መራሕቲ ሃይማኖት


በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ሎሚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ’ሎ።ኣመንቲ ነቲ በዓል ከኽብሩ ከለው ክሓስቡሉ ዘለዎም ጉዳያት ንዝበሉዎም ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት ካብዚ ካብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ኣዘራሪብና ኣለና።

ኣቡነ ፋኑኤል ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ሃገረ ስብከት ሊቃነ ጳጳስ እዮም።።

ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ግጭታት ይካየዱ ከምዘለውን ዕንወት ሃይማኖታዊ ትካላት ሓዊሱ ንዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣት ብምዅናን ኢትዮጵያዊያን መንገዲ ሰላምን ፍቕርን ክሕዙ ምዒዶም።

“ሎሚ እውን ናብ ሕሊናና ንመለስ።ኣብ ቤተልሄም ሰላም ኣሎ።ኣብ ቤተልሄም ፍቕሪ’ሎ።ኣብ ቤተልሄም ሰብን እግዝኣብሄርን ዝተዓረቕሉ... ናይ ሰላም እዋን ምዃኑ ምዝካር የድሊ እዩ።”

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኪዳነምህረት ዋሽንግተን ዲሲ ቆመስ ኣባ ኣባይነ ፍራንስዋ ብወገኖም ድልየት እግዚኣብሄር ንሰባት ምድሓን ብምዃኑ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ሰላም፣ፍቕርን ምክእኣልን ምቕዳም ከምዝግባእ ምዒዶም።

ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ዘርእይዎ ምትሕጋግዝን ምትሕብባርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ኣብነት ክንወስዶ ኣለና ኢሎም።

“ሕጂ ኣብ ሃገርና ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ክልተ ነገራት ይርኣዩ ኣለው።ቀዳማይ ነፃነት ካልኣይ ድማ ግጭት እዩ።ነፃነትና ተጠቒምና ሰናይ ተግባራት ብምስራሕ፣ሃናፂ ሓሳብ ብምምንጫው፣ብልዝብንን ብምውድዳርን ንሃገርና ምምዕባል የድሊየና እዩ።”

ናይ ሜሪላንድ መድሃኔኣለም ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ዝኾኑ ቐሺ በሪሁን መኮነን ልደት ኩሉ ዓይነት ሰብ ናብ ክርስቶስ ዝኣከበ ናይ ሓድነት በዓል እዪ ኢሎም።

ናይ ደቂ ሰባት ኣፈላላይ ከም በረኸት ብምውሳድ ሰላምን ፍቕርን ብምስፋን ኣፈላላይ ናብ ፍልጠት ምቕያር ይግባእ ኢሎም።

“ልደት ካብ ነገድ፣ካብ ቋንቋ፣ካብ ዓሌት ካብ ኩሎም ህዝብታት ናብ ክርስቶስ ዝመፁ ህዝብታት ዘጠቓልል እዩ።ናብ ክርስቶስ ዝመፁ ሓደ ዓይነት ህዝብታት ኣይኮኑን።ግን ሓደ ዓይነት ህዝብታት ኣብ ውሽጢ ክርስቶስ ብኣፈላላይ፣ ብሕብረት ክነብሩ ሰፊሕን ሃብታምን ዝኾነ ትምህርቲ ዘለዎ ብስራት እዩ። “

ብወልቀ ሰብ ይኹን ብደረጃ ጎረቤትን ሃገርን ዝህልው ኣፈላላይ ፅባቐን በረኸትን እምበር ፀገም ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ዘሎ ሰብ ብመልክዑ ይኹን ብቋንቁኡ ከምኡ እውን ብኣተሓሳስብኡን ኣመጋግብኡን ይፈላለዪ፤እቲ ቀንዲ ነገር እዞም ኣፈላላያት እዚኦም ናብ ፍልጠት ምቕያር እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG