ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብምክትል ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ በጺሑ


ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ብምክትል ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂትማሊ ሰንበት 1 ታሕሳስ 2019 ፡ብምክትል ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደግሉ ንዝተመርሐ ልኡኽ፡ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ተቐቢሉ ከም ዘዘራረበ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ‘ሻባይት’ ገሊጹ።

እቲ ርክብ ኣብ ሕቶ ውሕስነት ሰላም ሱዳን ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ብረታዊ ቃልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ጉጅለታት’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ርክብ ሰላምን ግስጋሲኡን ዘተኮረ ከምዝነበረን ክልተዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ሒዝዎ ዘሎ እወንታዊ ኣንፈትን ንምድንፋዕ ክልቲኦም መንግስታት ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ምርድድእ ከምዝበጽሑን መርበብ ሓበሬታ ‘ሻብይት’ ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG