ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ


ፋይል- መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ
ፋይል- መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ

ፖሊስ ኢጣልያ ምስ ኢሮፖል ምስ ፖሊስ ብሪጣንያን ነዘርላንድስን ከምኡ`ውን ምስ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ብምትሕብባር ንሓደ ኣሰጋጋሪ ደቂሰባት'ዩ ንዝተባህለ ወልቀሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።

ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ: ኤርትራን ሱዳንን፡ ብሊብያ ጌሩ ናብ ኤውሮጳ የሰጋግር ኔሩ ብዝብል ክሲ ካብ ኤርትራ ዝኾነ ወዲ 35 ዓመት ገብረመድህን ተመስገን ገብሩ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተታሒዙ።

ገብረመድህን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተታሕዘ ናይ ኣውስትራልያ ፓስፖርት ሒዙ ናብ ኣደለይደ ትበርር ኣብ ዝነበረት ነፋሪት ተሳፊሩ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ክፍትን ከሎ`ዩ። ከም ሓበረታ ፖሊስ፡ ገብረመድህን ተመስገን ገብሩ፡ ናብ ኢጣልያ:ብሪጣንያ: ደንማርክ: ጀርመን: በልጅምን ነዘርላንድስን ሰባት የሰጋግር ምንባሩ ተገሊጹ`ሎ።

XS
SM
MD
LG