ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሚ/ጉ/ወጻኢ ኤርትራ ዝምራሕ ልኡኽ አዲስ አበባ ኣትዩ


ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመራሕ ልኡኽ ኤርትራ ብዛዕባ ክልትኣዊ ርክባትን ዞባዊ ምዕባለታትን ንምዝርራብ ሎሚ ሓሙስ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ገሊፆም።

እቲ ሓባራዊ ርክብ ዝበፅሓሉ ደረጃ ንምግምጋምን ዝርዝር ናይ ምትሕብባር ስምምዓትን ብዝምልከት ዝለዓለ ሓባራዊ ኮሚቴ ክልቲአን ሃገራት ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼብኦም ጀሚሮም ኣለው።

ንጋዜጣ ኢትዮጵያ ሄራልድ መገልፂ ዝሃቡ ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ንግዲ፣ኣጠቓቕማ ወደብ፣ጉምሩክ፡መጎዓዚያን ካልኦት መዳያትን ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክልቲአን ሃገራት ሰፊሕ ዝርርብ ከካይዱ ከምዝፀንሑ ገሊፆም።

ልኡኽ ኤርትራ ካብ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተላኸ ደብደበ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝረከበ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊፆም ኣለው።ኣምባሳደር ሬድዋን ብወገኖም መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ሓፈሻዊ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ኣብ ቀረባ ከምዝፈራረሙ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG