ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራን ቻይና ብሓባር ክስርሓ ተሰማሚዐን


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ ምሽት ኣስመራ ንዝኣተወ ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ዝምራሕ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ረቡዕ ጥሪ 5,2022 ንግሆ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ ክልቲኤን ሃገራት ብሽርክነት ክስርሓ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፡ትሕተ-ቕርጺ፡ምምዕባል ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን፡ከምኡ’ውን ኣብ ዕደና ኣተዂረን ክስርሓ ተሰማሚዐን ኣለዋ።ነቲ ስምምዕ ናይ ክልትኤን ሃገራት ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ’ዮም ከቲሞምሉ።

ብመሰረት መንግስታዊ ሚድያ`ታ ሃገር፡ ኣብቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ልምዓታዊ ቀዳምነት፡ ከምኡ`ውን ንኽልቲኣን ሃገራት ኣብ ዝረብሕ ዞባዊን ኣህጉራውን ጉዳያት ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና መግለጺ ከም ዝሃቦ ተሓቢሩ`ሎ። ቻይና ኣብ ግሎባላዊ ምሕደራን ዓለምለኻዊ ሕግን ትጻወቶ ተራ ዝነኣድ ምዃኑ`ውን ምጥቃሱ እቲ ዜና ይሕብር።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር በይናውን ዘይሕጋውን እገዳ፡ ሃገሩ ከም ትነጽጎ ምግላጹ እቲ ዜና ሓቢሩ`ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ክልቲኣዊ ሽርክነት ንምምዝርራብ፡ ቻይና ክበጽሕ ፕረዚደንት ቻይና ቺ ጂን ፒንግ ከም ዝዓደሞ`ውን ተተሓሒዙ ዝመጻና ሓበረታ ጠቒሱ`ሎ።

ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ዝምራሕ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸሞ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራን ቻይና ብሓባር ክስርሓ ተሰማሚዐን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:15 0:00


XS
SM
MD
LG