ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሚንስትር ዓለምለኸ ልምዓት ኖርወይ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ክልል ትግራይ አካይዶም


ብሚንስትር ዓለምለኸ ልምዓት ኖርወይ ዳጊ ንግ ኡልስቲን ዝምራሕ ጉጀለ ልኡኻት ኣብ ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

እቶም ሚንስተር ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ብሓገዝ መንግስቲ ኖርወይ ዝካየድ ስራሕቲ ልምዓትን ውፅኢቶምን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ጠሚቱ ዘትዮም።

ናብ መዝነት ካብ ዝመፁ ገና ክልተ ሰሙን ዘይመልኦም ሚኒስትር ዓለምለኸ ልምዓት ኖርወይ ዳጊ ንግ ኡልስቲን ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምኽያድ ኣብ ትግራይ ብሓገዝ መንግስቲ ኖርወይ ይፍፀሙ ዘለዉ ስራሕቲ በጺሖም።

ኣብ ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ዝካየዱ እዞም ሚንስትር ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እውን ዘትዮም እዮም።

እቶም ሚንስትር ድሕሪ’ቲ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዘተኦም ውፅኢታዊ ምንባሩ ተዛሪቦም።

ብሓገዝ ልምዓት መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ትግራይ ስራሓት ልምዓት፡ ሃብቲ ተፈጥሮን ትምህርቲን ዝተፈላለዩ ስራሓት ይፍፀም ኣሎ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊጾም።

ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክሰፍን ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ትግራይ ምስ ኤርትራ ትዳባው ብምዃና ከም ትግራይ ዘሎ ድልየት እንታይ እዩ ኢሎም ሓቲቶምና ንሰላም ዘለና ልዑል ድልየት ገሊፅናሎም ኢሎም።

እቶም ሚንስትር ምስ ኣባለት ጉጅለኦም ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG