ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሚ.ጉ. ወጻኢ ኤርትራ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ንምፍጻም ሃርጌሳ ኣትዩ


ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሶማሊላንድ ፈላማይ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ኣብ ሃርጌሳ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ከምዝተራኸበን ምስ ካልኦት ዝምልከቶም`ውን ርክባት ንምክያድ ንሰለስተ መዓልታት ከምዝጸንሕን ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጹ ምንጭታት ይሕብሩ`ለዉ።

እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝርከብዎ ጉጅለ ልኡኽ፡ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ያሲን ሓጂ ማሕሙድ ድሕሪ ምርኻብ፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙስ ቢሒ ኣብዲ ተራኺቡ ኔሩ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ያሲን ሓጂ ማሕሙድን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ድሕሪ`ቲ ርኽብ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ ክልቲኣዊ ዝምድናት ኣጉልሖም ኔሮም።

ሚንስትር ያሲን ሓጂ ማሕሙድ፡ እቲ ምብጻሕ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ምሕያል ዝምድናታት ኤርትራን ሶማሊላንድን ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊጹ።

“ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢን ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ተራኺቡ ዘትዩ`ሎ። ኣብ`ዚ ዝርከብሉ ምኽንያት ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማሊላንድን ምትሕብባርን ዝምድናታትን ንምፍጣርን ንምሕያልን ’ዩ።”

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ፡ ኩነታት ንምርኣይ ናብ ሶማሊላንድ ከምዝኸደን፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ድሕሪ ምርኻቡ ዝሓዞ መልእኽቲ ናብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘብጽሕን ገሊጹ`ሎ።

“ብስርዓት ሕወሓት ኣብ ልዕሌና ኩናት ድሕሪ ምእዋጁ ን20 ዓመታት ካብ ንጥፈታት ቐርኒ-ኣፍሪቃ ርሕቕ ኢልና ኢና ጸኒሕና። ድሕሪ`ቲ ኩናት ድማ ኣንጻርና ማዕቀብ ተገይሩ ኔሩ`ዩ። ስለዚ ካብ`ዚ ኹሉ ተጽዕኖታት ክንወጽእ ክንቃለስ ኢና ጸኒሕና። ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ግን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ስለዝነገሰ፡ ዞባዊ ምትሕብባርና ክንቅጽል ክኢልና ኣለና። በዚ ድማ ኩነታት ሶማሊላንድ ንምርኣይ መጺእና ኣለና።

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣተሓሒዙ፡ ካብ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዝረኸብናዮ ኣገዳስን ጠቓምን መግለጽታት ናብ ፕረዚደንትና ክነብጽሕ ኢና ድሕሪ ምባል፡ እዚ ርክብ ናይ መጨረሽታ ከምዘይከውንን ካልኣይ ሳልሳይ ዑደት ከምዝህልውን ሓቢሩ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ዕላማ`ቲ ፈላማይ ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ሃርጌሳ፡ ናይ`ቲ ዝካየድ ዘሎ ምሕያል ዞባዊ ሰላም` መቐጸልታ` ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ`ቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደቱ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ተዋሳእቲ፡ ብርክት ዝበሉ ኣኼባታት ከምዘካይድ ሓቢሩ።

ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ንባዕላ ናጻ ሃገር ኢላ ትኣውጅ`ምበር፡ ብሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።

XS
SM
MD
LG