ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሕብርታቱ ታሪኽ ዝስንድን ወለዶታት ከላግብ ዝፍትን ዘሎ ስነ-ጥበበኛ የጊ


ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዱ ኣብ ኬንያን ኤርትራን ዝተቐመጠ’ሞ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ሲያትል ኣመሪካ ዝነብር ዘሎ ስነ-ጥበበኛ ይግዛው ሚኪኤል (የጊ)፡ ኣብ ከተማ ሲያትል ጥራይ ልዕሊ12 ህዝባውያን ስነ-ጥበባዊ ስራሓት (Public Art) ዘፍረየ’ዩ። እዚኣቶም ውሑዳት ካብቶም ሓያሎ፡ በበይኖም ስራሓቱ’ዮም።

ስራሓት የጊ ኣብ ቅብኣ፡ ሞዝያክ ኣርት፡ ዲዛይን ካልእን ዘተኵሩ ኰይኖም፡ ካብቶም ፍርያቶም ናብ ዝሰፍሐ ተኸታትሊ ከብጽሑ ዝኸኣሉ ስነ-ጥበበኛ’ዩ። ቅድሚ ቀረባ እዋን ብኸተማ ሲያትል ተዓዲሙ ኣብ ዝተኻየደ፡ ንታሪኽ ጸለምቲ ንምዕቃብ ዘተኰረ ህዝባዊ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ ተሳቲፉስ፡ ሓንቲ ህዝባዊት ስራሕ’ውን ኣቕሪቡ ኣሎ። ንዝሰፍሐ ስራሓቱ ካልእ እዋን ክንምለሶ ተስፋ እናገበርና፡ ንሎሚ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ስራሑ ጥራይ ብምትኳር ዝተገብረ ቃለ-ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ብሕብርታቱ ታሪኽ ዝስንድን ወለዶታት ከላግብ ዝፍትን ዘሎ ስነ-ጥበበኛ የጊ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:27 0:00


XS
SM
MD
LG